https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/845
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ ናይ መኪና ፅገና ጋራጅን ስራሕቲ ሕትመትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ግዝኢት ክፍፅም ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 25, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሕዳር 9, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:ፍረወይኒ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሕዳር 9, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ፅገና ተሽከርካሪ/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

             ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእም ረቆሓታት

  1. ናይ ዝወዳደረሉ ንግዲ ዘርፊ 2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድን ምቅረባይነትን መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል::
  2. አብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ወርሒ መስከረም 2008  ዓ/ም ዲክለር  ዝገብርሉ መረዳእታ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል::
  3. ናይ መካይን ፅገና ጋራጅን ደረጃ 4 ልዕሊኡን ኮይኑ ናይ 2008ዓ/ም ዝተሐደሰ መረጋገፂ ብቅዓት ዘለዎ
  4. መክበሪ ጨረታ ንናይ መካይን ፅጋና ጋራጅ 5000 ቅርሺ ንሕትመት 5000 ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዝብ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ዝክእል
  5.  ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 50 እናከፈልኩም ካብ 24/ 02/ 2008 ዓ/ም እስካብ ዕለት 9/03/ 2008 ዓ/ም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳ/ፃ እምባ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን  ፋይናንስን ምምርን ንብረት ምውሳድ ዝክእል
  6. እቲ ጨረታ 9/03/ 2008 ዓ/ም ሰዓት 500 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 530 ቅድሚ ቀትሪ አብ ከተማ ፍረወይኒ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳ/ፃ እምባ ይክፈት  
  7. ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ  ምስራዝ መሰል አለዎ
  8. ንትወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344470279 /0344470556 ደዊልካ ምሕታት ይካአል::