https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8418
ቤት ፍርዲ ወረዳ ወልቃይት ኣብ በጀት ዓመት 2012ዓ/ም ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎት ዝውዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቅሑት ፅሬት፣ ፣ ኣናእሸተይ መሳርሕታት ፣ ኮምፒተርን ተዛመድትን ኣቅሑትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም መስከረም 3, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ መስከረም 22, 2012 11:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:1000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ መስከረም 23, 2012 03:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ዕድጊት መኪና/

ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝኽእል

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ዘለዎን መረዳእታ ዘቀርብን

3 ናይ ወርሒ ነሓሰ 2011ዓ/ም ዲክሌር ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል

4 ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝኽእሉ

5 ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኾነን መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል

6 መኸበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈት 1000.00ሚኢቲቅርሺ፣ ንፅሬት ኣቅሑት 1000.00 ሚኢቲ ቅርሺ፣ ንኣናእሽተይ መሳርሐታት 1000.00 ሚኢቲ ቅርሺ ፣ ንተሽካርካሪ 1000.00 ቅርሺ፣ ኮምፒተር ተዛመድትን 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ፣ንኣቁሐት ቢሮ 1000.00 ብጥረ ገንዘብ ወይ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል፤

7 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ር/ንብረትን 50.00 ቅርሺ ብምኽፋል ምውሳድ ይኽእል።

8 ጨረታ ካብ02/1/2012ዓ/ም- 22/01/2012ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ይኸውን።

9 ጨረታ 22/01/2012ዓ/ም ሰዓት 11:00 ተዓሽጉ

10 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 23/01/2012ዓ/ም በቲ ዕለት ሰዓት 3:00 ይኽፈት።

10 ተወዳደርቲ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ናይዚ ጨረታ ሰነድ ማህተም ናይ ዝምልከቶ ኣካል ፊርማ ከምኡ ውን ብተጫራታይ ተመሊኡ ክቀርብ ዝግብኦ ቅጥዕታት መሊኦም ከቀርቡ ኣለዎም።

11 ተወዳደርቲ እተቅርብዎ ዋጋ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝሓወሰ ወይ ዘይሓወሰ ምዃኑ መብርሂ ክትህቡ ይግባእ። እንተዘይኾይኑ ዝቀረበ ዋጋ ምስ ተወሳኺ እሴት ታክስ ተገይሩ ይውሰድ።

12 ቤት ፅሕፈትና ናይ ዝግዛእ ኣቅሓ ካብ ነብሲ ወከፍ ነፀላ ኣቅሓ ክሳብ 20% ናይ ምውሳኽ ወይ ምንካይ መሰል ኣለዎ።

13 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ መዓልቲ ን30 ተኸታተልቲ መዓልትታት ይኸውን።

14 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-330334/ ብኣካል ብምምፃእ ምሕታት ይከኣል።