https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8411
ቤት ፍርዲ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ንግልጋሎት ዕዮ ኣገልግሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኣቁሑት ሕትመት፣ መፃሕፍቲ፣ኣቁሑት ፅሬት፣ አሌክትሮኒክስ ዕድጊት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዘእ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም መስከረም 3, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ መስከረም 15, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:ናዕዴር ዓዴት
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ መስከረም 15, 2012 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ መፅሓፍቲን ትምህርታዊ መሳርሕታት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

ስለዚ ነዞም ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ብኽብሪ ይዕድም።

1 በቲ ዘፈር ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲን፣መቅረባይነት መረዳእታ ዘለኩም ናይ 2011/12ዓ/ም ዝተሓደሰ ፈቃድ ንግዲ ናይ መቅረባይነት መረዳእታ ፣መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ክትቅርቡ ትኽእሉ ክትወዳደሩ ንዕድም

1 ኣብ ኩሎም ዓይነታት ጨረታ መቅረባይነት ዝትመዝገብኩም ነጋዶ ንዕድም።

2 ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ ሒሳብ ኣታዊ ዝገበርሉ ክሳብ ሓምለ2011ዓ/ም ኣታዊ ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ዝሓዘ ከኸውን ኣለዎ።

3 ጨረታ ኣብ ኣየር ክፍቲ ኾይኑ ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ ግዜ ካብ 30/12/2011ዓ/ም -15/01/2012ዓ/ም ሰዓት 4:00 አብ ዘሎ ግዜ ይከውን።

4 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 15/01/2012ዓ/ም ሰዓት 4:00 ንጉሆ ኣብ ዘሎ መዓልቲ ሰነድ ጨረታ ብዝተኣሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን በቢበይኑ ተፈላልዩ ተዓሺጉ ኣብ ቤትፍርዲ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ሳንዱቅ ጨረታ ዝኣቱ ኮይኑ አቲ ጨረታ ዝኽፈተሉ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

5 መኸበሪ ጨረታን 3000.00 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ

7 ጨረታ ዝሰዓርኩም መቅረብቲ ንኹሉ ዓይነት ዕድጊት ብናይ ባዕልኹም መፀዓንን መራገፍን መጓዓዝያን ወፃኢ ሸፊነኩም ናብ ቤት ፅሕፈትና ከተማ ሰመማ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ክተረክቡ ኣለኩም።

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይዅን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0345-5702 01 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።