https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8394
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ/ም ንከተማ ዓ/ዓዲ ግልጋሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ኣቁሑት ቢሮ ፣ ኣቁሑት ፅሬት ፣ ዕጥቂ ስፖርት ፣ መፅሓፍ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ንክትወዳደሩ ንዕድም፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 2, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ መስከረም 19, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ መስከረም 19, 2012 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ መፅሓፍቲን ትምህርታዊ መሳርሕታት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ዘለኩምን ኣብ 2012 ዓ/ም ዘሐደስኩም/ ሕድሳት ዘይሓለፎ

2 እቲ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ሕጋዊ ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ ::

3 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ኮይኖም ፤ ናይ ወርሒ ሰነ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

4 ናይ መቅረባይነት መለለይ ካርድ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን::

5 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለኩም፤

6 ንጨረታ መክበሪ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል ::

7 ንሐደ ደክመንት ዘይምለሰ 50.00 ብር ብምክፋል ካብ ቤት ፅ/ትት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ከ/ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ክፍሊ ቁፅሪ 6 ብምግዛእ ክጫረቱ ዝክእል::

8 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ምልክታ ካብ ዝተጠቀዐሉ ዕለት ጀሚሩ ብምዉሳድ ናይ መወዳደሪ ዋጋኹም ብምምላእ ኩሎም ዝተጠቐሱ አድለይቲ ኮፒን ኦርጅናልን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰነድ ጨረታን ዝተዓሸገ ፖስታን ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማን ብምፅሓፍ ኣብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ንክትእትዉን ንክትወዳደሩ ነተሓሳስብ፤

9 ምልክታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት ካብ 04/13/2011 ዓ/ም ክሳብ 19/1/2012 ዓ/ም እንትከዉን 4:00 ናይ ንጉሆ::

10 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሽገሉ ዕለት 19/1/2012 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ::

11 ሳንዱቅ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 19/1/2012 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ናይ ንጉሆ ኣብ ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ክረከቡ ኣለዎም፡፡

12 ቤት ፅ/ትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

13 ኣብቲ ዝወፀ ስፔስፊኬሽን ወይ መግለፂ ምንካይ ወይ ምቅያር ምስራዝን ኣይፈቀድን።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑፅሪታት ስልኪ 0344-461121 ብምድዋል ይሕተቱ::