https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8392
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ኣብ ወረድኡ ዝርከባ ኣብያተ ዕዮ ኣገልግሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኣቁሑት ፅሬት፣ ሕትመት፣ ዕጥቂ ስፖርት፣ መለዋወጢ ኣቀሑት ሞተር ሳይክልን፣ ዕድጊት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዘእ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ መስከረም 2, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ መስከረም 14, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ መስከረም 14, 2012 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

ስለዚ ነዞም ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቋሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ብኽብሪ ይዕድም።

1 በቲ ዘፈር ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲን፣መቅረባይነት መረዳእታ ዘለኩም ናይ 2011/12ዓ/ም ዝተሓደሰ ፈቃድ ንግዲ ናይ መቅረባይነት መረዳእታ ፣መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ክትቅርቡ ትኽእሉ ክትወዳደሩ ንዕድም

1 ኣብ ኩሎም ዓይነታት ጨረታ መቅረባይነት ዝትመዝገብኩም ነጋዶ ንዕድም።

2 ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ ሒሳብ ኣታዊ ዝገበርሉ ክሳብ ሓምለ2011ዓ/ም ኣታዊ ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ዝሓዘ ከኸውን ኣለዎ።

3 ጨረታ ኣብ ኣየር ክፍቲ ኾይኑ ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ ግዜ ካብ 28/12/2011ዓ/ም -13/01/2012ዓ/ም ሰዓት 11:30 አብ ዘሎ ግዜ ይከውን።

4 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 14/01/2012ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ መዓልቲ ሰነድ ጨረታ ብዝተኣሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን በቢበይኑ ተፈላልዩ ተዓሺጉ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምመ/ንብረትን ሳንዱቅ ጨረታ ዝኣቱ ኮይኑ አቲ ጨረታ ዝኽፈተሉ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

5 መኸበሪ ጨረታን መሸጢን ሰነድን ኣብ ዝተዳለወ ዝርዝር ሰነድ ብዝርዝር መዐቀኒ ተቀሚጡ ይርከብ።

6 ኻልኦት ኣድለይቲ ዝበሃሉ ሓበሬታታት እውን ብዝበለፀ ኣብ ዝተዳለወዝርዝር መዐቀኒ ተቀሚጡ ስለዘሎ ካብኡ ኣንቢብኩም ምርዳእ ትኽእሉ።

7 ጨረታ ዝሰዓርኩም መቅረብቲ ንኹሉ ዓይነት ዕድጊት ብናይ ባዕልኹም መፀዓንን መራገፍን መጓዓዝያን ወፃኢ ሸፊነኩም ናብ ቤት ፅሕፈትና ከተማ ሰመማ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ክተረክቡ ኣለኩም።

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይዅን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0345-570157 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።