https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/839
ጥላሁን ይግዛዉ ቴክኒክን ሞያን ኮሌጀ ዝተፈላለዩ ኣቕሑት ብግልፂ ጨረታ ኣብ ናይ 2008 ዓ/ም በጀት ዓመት ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 24, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ቀዳም ሕዳር 18, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:ማይጨዉ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:25
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን:
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ኣቅርቦት ምግቢ / ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/
  1. ህንፃ  መሳረሒ
  2. ኤሌክትሪክ አቕሑት
  3. ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት
  4. ፅሕፈት መሳረሒ ኣቁሑት  
  5. ናይ ስፖርት ዕጥቅታት
  6. ናይ ፅሬት ኣቁሑት
  7. ናይ ሞተር ሳይክል ኣቁሑት
  8. ዝተፈላለዩ ንኩክ /ንምግብና/ ዲፓርትመንት መሳርሒ ኣቁሑትን ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ ንተወዳደረቲ ይዕድም

                ኣብቲ  ዉድድር  ክትሳተፉ ትደሊዩ  ተጫረቲ

  • ናይ 2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ነጋዶ ንግዲ ፍቃድ ዝተመዝገበኩም ኣተሓሒዝኩም ክተቅርቡ እትኽእሉ::
  • ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ ዝተመዝገብኩም ሰርተፍኬት ክተቕርቡ ትኽእሉ::
  • ቫት ኣብ ተወሳኺ እሴተ ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ ሰርተፌኬትን ናይ ወርሒ መስከረም 30 /2008 ዓ/ም  ድክሌር ዝገበርኹም መረዳእታን እተቕርቡ::
  • ናይ መቕረባይነት ሰርተፍኬት  ተቕርቡ ትኽእሉ ናይ 2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ ዝሐዝኹም
  • እቲ ጨረታ ምስዓሩ ምስተነገሮ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ኣትዩ ኣብ 10 ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ  ዘሸነፎ ንብረት በናይ ባዕሉ ትራንስፖርት  ናብ ጥላሁን ይግዛዉ ቴሞያን መሰልጠኒ ማእከል ኮሌጅ ከቕርብ ዝኽእል::
  • መወዳደሪ ደኩመንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎን ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ::
  • ንሕድሕድ ሽያጭ ሰነድ ዘይምለስ  ብር 25.00 /ዒስራ ሓሙሽተን ብር /  እናኸፈልኵም  ካብ ጥላሁን  ይግዛዉ  ቴክኒክን  ሞያን ኮሌጅ ደ /ከ /ስ / ዕዳጋ  ፋይናንስን  ንብረት  ምም/ር  ቢሮ  ቁፅሪ  3 መልኡ  ብሽምዒ  ዝተአሸገ  ኤንቨሎፕ (ፖስታ) ብምግዛእ ካብ  24 /02/ 08  ክሳብ  08/ 03 /08 ዓ/ም  ሰዓት 3:30  እናመፃኹም ክትወስዱ  እትክእሉ::
  • ጨረታ  ቅድሚ ምኽፋቱ ናይ ጨረታ መኽበሪ ዝምለሰ ብር 3000 .00 /ሰለስተ ሽሕ / ብጥረ ገንዘብ ወይ ከዓ ኢትዩ ጰያ ንግዲ ባንኪ ኣፍልጦ ዝተወሃበ ባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ኣቀድሙ  ከትሕዝ  ዝክእል::
  • እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ክሳብ ዝዕፀየሉ ዕለትን ሰዓትን ዝተወዳደርሉ ኣቅሓ  ብዓይነት
  • እቲ  ጨረታ ዕለት 08/ 02/ 2008 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ልክዕ ሰዓት 4:30 ይክፈት ኣብ ጥላሁን ይግዛዉ ቴ /ሞያን  ደጋፊ ከይዲ  ስራሕ  ዕዳጋ  ፋይናንስን  ንብረት  ምምሕዳርን  ተጫረቲ  ወይ  ሕጋዊ  ወኪላቶም ኣብዘለዉሉ  ይክፈት::
  • ኮሌጅና  ነቲ  ጨረታ  ዝሐሸ  መማረፂ  እንተረኺቡ ብሙሉእኾነ ብክፋል ናይ  ምስራዝ  መሰሉ ዝሃለወ እዩ 
  • ንዝበለፀ ሓበሬታ ብትሌፎን ቁፅሪ ኮሌጅና  034 -777- 1828 ደዊልኹም ክትረኽቡ ትኽእሉ ምኮንኩም ንሕብር::