https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8290
ቤት ፅሕፈት ፕላንን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ/ም ንወረዳና ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ፅሬት መሳርሒ፣ ሕትመት፣ ኮምፒተር ተንከፍ መሳርሒ፣ ሞተርሳይክል ስፔር ፓርት፣ ናይ መኪና ጎማን ፓትርን፣ ፈርኒቸር ፣ ህንፃ መሳርሒ ፣ሞተርሳይከል ፅገና፣ኮምፒተር ተንከፍ ፅገና ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ግልጋሎት ክረክብን ይደሊ፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ነሓሰ 27, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 6, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ መስከረም 6, 2012 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ፅገና ኮምፒተርን ኤሌክትሮኒክስን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ፅገና ሞተርሳይክል/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

1 ሕጋዊ ናይ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን አብዚ በጀት ዓመት ዘሐደስኩምን ወይ ድማ ግብሪ ዝኸፈልኩም፤

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ /ቲን /ካርድ ዘለኩም ዝተሐደሰ ናይ መቅርባይነት ካርድ ዘለኩም፤

3 ናይ ቫት ዝተመዝገብኩምን ናይ ቫት ሰርተፊኬት ዘለኩም ናይ ወርሓዊ ዲክለሬሽን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ሰነ 2011 ዲክሬሽ መረዳእታ ክተቕርቡ እትክእሉ፤

4 ንሐደ ዶክሜንት ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ/ ብምክፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ብምዉሳድ ዝቐረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ ዕለት 27/09/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 06/01/2012 ዓ/ም ዋንኡን ኮፒኡን በበይኑ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምምላእ ነዚ ተባሂሉ ዘተዳለወ ናይጨረታ ሳፁንምእታዉ ይከኣል:;

5 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 06/1/2012 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ድማ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዘለዉሉ ይኽፈት ተዘይሃለዉን ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይኽፈትን ይግምገም::

6 መኸበሪ ጨረታ 2000.00ብር ብ ሲፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ

ብስ/ቁ 0344-430357 ምሕታት ይከአል: