https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8266
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ/ምን ብናይ መደበኛ በጀት ኣብያተ ፅሕፈታት ኣገልግሎት መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኣቁሑት ፅሬት፣ ኣቁሑ ኤሌክትሮኒክስ፣ መለዋወጢ ኣቅሑ መካይን ፣ መለዋወጢ ኣቁሑ ሞተር ሳይክልን፣ ሕትመትን ፣ቅጥዒ ሰነዳት ፣ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ነሓሰ 25, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ መስከረም 5, 2012 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ መስከረም 5, 2012 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

1 ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩም ግብሪ መንግስቲ ከፊሉ ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዝሐደሰ ቅዳሕ ዘተሓሕዝ

2 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩምን፤

3 ኣብ ዝርዝር መቅረብቲ ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስን ናይ ወርሒ ሓምለ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዝገበርኩምሉ መረዳእታ

4 ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበ ዝሐደሰን፤

5 ኩሉ ዝተሐተተ መረድእታ ዋናን ቅዳሕን ከቅርቡ ዝክእሉ ዝተማልአ ሰነድ ጨረታ ብፖስታ ዓሺጉ ከቅርብ ዝኽእል፤

6 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ናይ ጨረታ ዉሕስና ወይ መከበሪ   መቅረብቲ 5000.00 ( ሓሙሽተ ሽሕ) ቅርሺ ብስፒኦ ንኣቁሑ ፅሬት ድማ  እትወዳደሩ ድማ 3000.00 ( ሰለስተ ሽሕ) ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤

7 ተጫረቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ከይዲ ስረሕ ዕደጋ ፋይናስን ንብረት ምምሕዳርን ብምዉሳድ ናይ ዋጋ ዝርዝር መሊኦም ኣብ ከይዲ ስራሕ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክትገብሩ ይግባእ፡፡

8 ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ካብ 25/12/2011 ዓ/ም ክሳብ 05/01/2012 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ኣብ ዘሎ ማዓልቲታት ኮይኑ ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ ድማ 05/1/2012 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ብግልፂ ይክፈት፤

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዘቀረበ ንብረት 20 ሚኢታዊ ናይ ምውሳክ ወይ ምንካይ መሰል ኣለዎ፡፡

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0346-610255 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።