https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8264
ቤት ፍርዲ ወረዳ መረብ ለኸ ኣብ በጀት ዓመት 2012ዓ/ም ንኣብያተ ፍርዲ ወረዳ መረብ ለኸ ዝውዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣንእሽተይ ናይ ቢሮ ኣቑሑትን፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወደዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።ስለዚ ነዞም ረቋሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ነሓሰ 25, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 13, 2012 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:መረብ ለኸ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ መስከረም 13, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 ዝተሓደሰ መቅረባይነት ናይ 2011ዓ/ም ዘለዎም ፤

3 ናይ ከፋላይነት ግብሪ መለለይ ቁፅሪ፣ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡን፣ናይ ወርሒ ሓምለ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል፤

4 ልዕል ክብሉ ዝተገለፁ ረቋሕታት መረዳእታ ሓደ ቅዳሕ ንነብሲ ወከፍ ተጫረቲ ዘይምለስ 50ቅርሺ ብምኽፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፍርዲ ወረዳ መረብ ለኸ ምወሳድ ይከኣል።

5 ኣብ ዝቐረበ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ናይ ባዕልኻ ዝርዝር መረዳእታ ምውሳክ ይኹን ምቅናስ ኣይከኣልን።

6 ተጫረቲ ሰዓርቲ ምዃኖም ካብ ዝተገለፀሉ አብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስሩ ዝኽእሉ፤

7 ናይ ጨረታ ፖስታ ቅድሚ ምኽፋቱ ንመኸበሪ ጨረታ ንሕድሕድ 3000.00 (ሰለስተ ሽሕ) ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ሲፒኦ ከተሐዝ ዝኽእል፤

8 ተጫረቲ ሰዓርቲ ኣብ ዝኾንሉ እዋን ናይ ዝሰዓርሉ 10% መኸበሪ ውዕሊ ከትሕዙ ዝኽእሉ ፤

9 ተጫረቲ ውዕሊ ኣብ ዝኣስርሉ አዋን ኣብ ውሽጢ 15 ተኸታተልቲ መዓልትታት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ናብ ቤት ፍርዲ ወረዳ መረብ ለኸ ከእትው ትኽእሉ፤

10 ጨረታ ክፍቲ ዝኾነሉ ካብ 27/12/2011ዓ/ም -12/01/2011 ዓ/ም ተኸታተልቲ መዓልቲ ኾይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ 13/01/2012ዓ/ም ሰዓት 3:30 ኾይኑ ጨረታ ዝኽፈተሉ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት።

11 ኣብ ዝቐርብ ሰነድ ጨረታ ሽምን ክታምን ናይ ትካሎም ኣድራሻ ከቅምጥሉ ይግባእ።

12 ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ 0345-550126/0914-082432