https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8263
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ንቤት ፅሕፈት ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣገልግሎት ዝዉዕሉ ካብ ናይ 2012ዓ/ም ሱርዕ በጀት 1 መሳርሒ ፅሕፈት 2 ኣቁሐት ፅሬት 3 ኤሌክትሮኒክስ 4 ናይ ሕትመት ስራሕቲ ብሎት ብምምዳብ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ግዝኢት ክፍፅም ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ነሓሰ 25, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰንበት መስከረም 4, 2012 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰንበት መስከረም 4, 2012 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

1 በቲ ዘፈር ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዋና ምስ ዘይምለስ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ዘለዎን መረዳእታ ዘቅርብን፤

3 በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ መቅረባይነት ካርድ ከቅርብ ዝክእል

4 ናይ ወርሒ ሓምለ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘወዳደሩሉ መረዳእታ፣ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም ፣

4 ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈት 7000.00 ሽሕ ቅርሺ ንኣቁሐት ፅሬት 2000.00 ቀርሺ ንኤሌክትሮኒክስ 7000.00 ቅርሺ ንሕትመት ስራሕቲ 2000.00ቅርሺ  ብሲፒኦ ወይ ድማ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዝ ዝክእል፤

5 እዚ ጨረታ ካብ 24/12/2011ዓ/ም ክሳብ 04/01/2012ዓ/ም ኣብ ኣየር ይፀንሕ፣

6 እዚ ጨረታ 05/01/2012 ዓም ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ይክፈት፡፡

7 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 01 ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል ፤

9 ተወዳዳይ ሰነድ ጨረታ ሽም ኣድራሻ ፊርማ ማህተም ክገብርሉ ኣለዎም፡፡

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ 30 መዓልቲ እዩ፡፡

12 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-480183/ ብምድዋል ምሕታት ይከኣል፡፡