https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8251
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ናይ ሴክተራት ፅገና መኪና ጉልበት ኢድ ዋጋ ኣወዳዲሩ ክስርሕ ይደሊ። ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ነሓሰ 24, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ መስከረም 8, 2012 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:ሳሓርቲ ሳምረ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ መስከረም 8, 2012 08:45 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ፅገና ሞተርሳይክል/ ፅገና ተሽከርካሪ/

1 ናይ ዘበኑ ግብሪ ዝኸፈልኩምን ናይ 2011/12ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ  መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ከቅርቡ ዝኽእሉ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

2  ብናይ ንግዲን ኢንድስትሪን ረቃሒ መሰረት ደረጃ 4ተ ዘማላእኩምን ብዉልቀ ወይ ብማሕበር ዝተወደብኩም

3 እቲ ጋራጅ ኢንሽራንሽ ከቅርብ ዝክእል

4 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ወርሒ ሓምለ 2011ዓ/ም  ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበርሉ መረዳእታ እውን ከቅርብ ይግባእ፤

5 ሰነድ ጨረታ ካብ 23/12/2011ዓ/ም ክሳብ 8/01/2012 ዓ/ም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ኣገልግሎት ዕደጋ  ዘይምለስ 100.00 ብምክፋል እናመፃእኹም ምውሳድ ትኽእሉ

6 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ብፖስታ ዝተዓሸገ ክሳብ 08/12/2012ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታው ይከኣል።

7 እቲ ጨረታ 08/12/2012ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:45 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዘለውሉ ብኣካል ዘየለው እውን ዝተማልአ ሰነድ ብምቅራብ ይከፈተለይ እንተይሎም ይኽፈት።

8 መከበሪ ጨረታ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል፤

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0345-540333 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።