https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8235
ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዘለዉ ኮምፒተርን ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲን ኣቁሑት ናይ ፅገና ስራሕቲ ንምስራሕ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለ ዝደለየ ካብዚ ቀፂሉ ዘሎ መስፈርቲ አተማልአኡ ተወዳደርቲ ዘይምለስ 50.00 ብር ብምኽፋል ትካል ዘዳልዎ ጨረታ ሰነድ ወሲድኩም ክትወዳደሩ ትክእሉ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ነሓሰ 23, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጳጉሜን 5, 2011 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ጳጉሜን 5, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ፅገና ኮምፒተርን ኤሌክትሮኒክስን/

1 ብዘርፉ ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቓድ ኮፒ ከተታሓሕዙ ትክእሉ::

2 ናይ ቫት ሰርቲፊኬት ኮፒ ክተቅርቡ እትኽእሉ ዘቕርቡዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዘሓወሰ ክኸውን ኣለዎ።

3 ናይ ጨረታ መኸበሪ 3000.00 ብር ብሲፒኦ ክትሕዙ ዝኽእሉ፤

4 ዝቐረበ ዝርዝር ፅገና ኣሸናፊ ኮይኖም እንትረኸቡ ኣብ ዉሽጢ 5ተ መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሮም ክጅምሩ ዝክእሉ


5 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ጊዜ ካብ ዕለት 22/12/2011 -05/13/2011 ዓ/ም ኮይኑ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ልክዕ ሰዓት 8፡30 ተዓሽጉ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9፡00 ይኽፈት

6 ትካልና ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዘ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስቑ 0344-418556 ምርካብ ይካአል እዩ: