https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8187
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን 1ይ ወያነ ኣብ ክ/ከ/ከተማ ቤት መዘጋጃ ዝርከብ ዝተፈላለየ ዘገልገሉ ዕንጨይቲ ክሸይጥ ስለ ዝድለየ ኣብቲ ዘርፊ ንዝትዋፈሩ ሕጋውያን ነጋዶ ደቀቅትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት /ደኣንት/ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ነሓሰ 18, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ነሓሰ 23, 2011 10:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ነሓሰ 24, 2011 03:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

1 ተጫረቲ ደቀቅትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት /ደኣንት/ ካብ ቤት ፅሕፈት ንግድን ኢንዱስትሪን ዝተውሃቦም ኣብዚ ዓመት ዝተሓደሰ ብርኪ ትካል /ደረጃ/ ዝዘቅርብ፤

2 ግልፂ ሰርቲፊኬት ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልሉ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ ቲን ናምበርን ዘቅርብ፣

3 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ዳ/ዳ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 17 ምልክታ ካብ ዕለት 17/12/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 23/12/2011 ዓ/ም ሰነድ መግዝኢ ብር 30.00 ጥራሕ ብምክፋል ምውሳድ ይከኣል፡፡ እቲ ናይ ጨረታ ፖስታ ብስምዒ ወይ ብተመሳሳሊ መንገዲ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕን ናይ ተጫራታይ ሽምን ማህተምን ብምግባር ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታው ይከኣል፡፡

4 ናይ ጨረታ መከበሪ ሲፒኦ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዝብ ብር 3000.00 ከትሕዙ ዝክእሉ፤

5 ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ ዕለት 23/12/2011ዓ/ም ሰዓት 11፡00 ድሕሪ ቀትሪ ይከውን፡፡

6 ጨረታ ዝክፈተሉ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላት ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት 24/12/2011ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ንግሆ ይክፈት፡፡

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

8 ኣድራሻና ጥቃ ፖሊስ ጣቢያ 1ይ ወያነ ትልምን ፋይናንስን ፅሕፈት እዩ፡፡

9 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0914-785289 ምድዋል ይከኣል፡፡