https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8186
ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሑመራ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ/ም ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ኣዉቶሞቲቭ ፣ ኮምፒተርን ተዛመድትን ፣ኤሌክትሮኒክስ፣ ኤሌክትሪክ ፣ መሳርሒ ህንፃን፣ ፈርኒቸርን ናይ መመረቂ ጋዉንን ብብርኪ ክልል ብግለፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ነሓሰ 18, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጳጉሜን 4, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጳጉሜን 4, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

1 ናይ 2011 ዓ/ም ወይ 2012 ዓ/ም  ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ በቲ ዘርፊ ዘለኩም::

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ ዝተመዝገብኩምን TIN ሰርተፊኬት ክተቕርቡ ትኽእሉን፤

3 ንተወሳኪ እሴት ታክሲ/ VAT ዝተመዝገብኩም: VAT ምዝገባ ሰርተፈኬትን ናይ ወርሒ ሰነ VAT ዲክላሬሽን ክተቕርቡ ትኽእሉን::

4 ናይ 2011 ወይ 2012  ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቐረባይነት ምስክር ወረቐት ክተቕርቡ ትኽእሉ::

5 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይነኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰርኩመሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15ተ ተኸታታሊ መዓልቲ ብናይ ባዕልኩም መጎዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ አብ ሑመራ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ክትቕርቡ እትኽእሉ::

6 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ : ናይቲ ትካል ማህተምን ናይ ዝምልከቶ በዓል ዋና ፌርማን ዝዓርፎ ክኸዉን አለዎ::

7 ዋናን ቅዳሕን ብምባል ካብ ክልተ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ዓሺግኩም ክተቅርቡ ይግባእ

8 ተጫረቲ ንነብስወከፍ ዝወዳደርሉ ምድብ መወዳደሪ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሑመራ ካብ 17/12/2011 ዓም ክሳብ 01/13/2011 ዓም ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ እናመፁ ሰነድ ጨረታ ገዚኦም ክወስዱ ይክእሉ፡፡

9 ተጫረቲ ንዝወዳደርሉ ምድብ መወዳደሪ መከበሪ ጨረታ ንመሳረሒ ፅሕፈት 4000 ቅርሺ፣ ንኣዉቶሞቲቭ 5000 ቅርሺ፣ ንኤሌክትሮኒክስ 4000 ቅርሺ፣ ንኮምፒተርን ተዛመድትን10000 ቅርሺ፣ ንኤሌክትሪክ 15000 ቅርሺ፣ ንመሳርሒ ህንፃ 20000 ቅርሺ፣ ንፈርኒቸር 4000 ቅርሺ  ብስፒኦ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ብጥረ ገንዝብ ወወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ብሽም ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሑመራ ኣስሪሖም ከትሕዙ ይግባእ፡፡

10 እቲ ጨረታ 04/13/2011 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቢሮ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 06 መቐለ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ኣይተኣጎጎልን፡፡

11 ኮሌጅና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ በሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

12 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ እቲ ኮሌጅ ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእለ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቑፅሪ ስልኪ 0344 480510/11 ወይ ድማ ብሞባይል 0914-259187 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ::