https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8182
ቤት ፍርዲ ወረዳ ኦፍላ ከይዲ ሰራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ንብረት ምምሕዳርን ኣብ 2012ዓ/ም በጀት ዓመት ንቤት ዕዮና ዝዉዕል ካብዘኢ ንታሕቲ ዝተዘርፍዘሩ ኣቁሑ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዱሩ ክገዝእ ይደሊ1 ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፣2 ዝተፈላለዩ ናይ ሕትመት ስራሕቱ፣ ዝተፈላለዩ ናይ ፅሬት ኣቁሑት፣ሎት ዝተፈላለዩ ኮምፒዩተርን ተዛመድትን ኣቑሑትን ናይ ፈርኒቸር ኣቁሑን ተገጣጠምቲ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ነሓሰ 18, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ መስከረም 6, 2012 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ መስከረም 6, 2012 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

1 ብዘርፉ ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ናይ ቫት ተመዝጋቢ ምኻኑ መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል፣ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለዎም፣ ቲን ናምበር ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ ሰርቲፊኬት ከቅርቡ ዝኽእሉ

2 ናይ ጨረታ መኸበሪ ናይ ፅሕፈት መሳርሒን፣  ናይ ፈርኒቸር ኣቁሑን ተገጣጠምቲ ብር 3000.00 (ሰለስተ ሽሕ ቕርሺ) ዝተፈላለዩ ኮምፒተርን ተዘመድቲ ኣቁሑን 20000.00 ናይ ሕትመት ስራሕቲ ፣ ናይ ፅሬት ኣቁሑት 500.00 ብጥረ ገንዘብ በባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ቼክ ጥራሕ ከትሕዝ ዝኽእል

3 ናይ ውዕሊ መኸበሪ ካብቲ ዘሸነፎ ጠቅላላ ዋጋ 10% ፣ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ቼክ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ከትሕዝ ዝኽእል

4 ዝወዳደሩ መቅረብቲ መሸነፋይ ምዃኖም ካብ ዝተገለፅሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል

5 እቲ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝኽፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን30 ተኸታታሊ መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ

6 እቲ ሰነድ ጨረታ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ክምላእ ኣለዎ ኮይኑ ግና ንምንባብ ዘየፀግም ስርዝ ድርዝ እንትሀልዩዎም ናይ መቅረባይ ፊርማ አብ ጎድኑ( ብልዕሊኡ) ክግበር ኣለዎ።

7 ነቲ ጨረታ ከዛብዕ ዝፈተነ ካብ ጨረታ ይስረዝ ንቀፃሊ ኣብ ዝወፅአ ጨረታ ንከይሳተፍ ንክልል ሰርኩላር ይፃሓፈሉ ዘትሐዞ ቢድ ቦንድ (መኸበሪ ጨረታ) ይውረስ

8 ጨረታ ምስ ተኸፈተ ካብ ጨረታ ንዓርስካ ምግላል ኣይፍቀድን

9 ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ሽም፣ፊርማ፣ኣድራሻን ማሕተምን ክህልዎ ኣለዎ።

10 ሰነድ ጨረታ ኦርጅናልን ኮፒን ተባሂሉ ነንበይኑ ብዝተዓሸገ 2ተ ፖስታ ከቕርብ ኣለዎ።

11 ኣሸነፍቲ ዝኾኑ እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርትን መፅዐኒን መራገፊን ሓዊሱ አብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ኦፍላ የረክብ።

12 ናይ ጨረታ ዝርዝር ሰነድ ካብ ንኡስ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ርን ብምምፃእ ንሕድሕድ ሎት ዘይምለስ 30( ዒስራ ብር) ብምክፋል ካብ ዕለት 20/12/2011ዓ/ም -06/01/2012 ዓ/ም ኣብ ስራሕ ሰዓት እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ምውሳድ ዝከኣል ኮይኑ እቲ ጨረታ ዕለት 06/01/2012 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:00 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ኦፍላ ይኽፈት።

13 ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡእቲ ጨረታ ብሙሉእ ይዅን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 45 51 00 39