https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8156
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወርዒ ለከ ንአገልግሎት ኣብያተ ፅሕፈት እታ ወረዳ ዝዉዕሉ ሎት ሐደ መሳርሒ ፅሕፈት : ሎተ ክልት መሳርሒ ፅሬት : ሎት ሰለስተ ናዉቲ ኤሌክትሮነክስ : ሎት ኣርባዕተ መለዋወጢ ኣቅሑት ተሽከርከርቲ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድይ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ነሓሰ 15, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ነሓሰ 30, 2011 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢ ሎቱ ይፈላለ እዩ
  • ቦታ:ወርዒ ለኸ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ነሓሰ 30, 2011 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ተጫረቲ ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝኸፈሉን ናይ 2011ዓ/ም ፍቓድ ንግዶም በቢ ዘርፉ ዘሐደሱን ዘቕርቡን

2 ተጫረቲ ኣብ መቕረባይነት ዝተመዝገቡን ኣብ 2011 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቕረባይነት መለለይ ካርድ ከቅርቡ ዝኽእሉ

3 ተጫረቲ ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ /TIN/ ከቕርቡ ዝኽእሉ

4 ተጫረቲ ቫት ዝተመዝገቡን በቢወርሑ ናይ ግብሪ ኣካቢ ኣካል ቫት ዲክለር ዝገበሩ ምኻኖም መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ

5ዝተዳወ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 15/12/2011 ጀሚሮም ክሳብ 30/12/2011 ዓም ሰዓት 230 ካብ ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወርዒ ለከ ከተማ ዕዳጋ ዓርቢ ብሎክ ሰለስተ ቁጽሪ 10 ምዉሳድ ይኽእሉ

6 ጨረታ ዕለት 30/12/2011 ዓም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ 30/12/2011 ዓም ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናስን ወ/ወ/ለኸ ብሎክ 3 ቁፅሪ 10 ዝኸፈት ይኸዉን

7 ሰዓርቲ መፅዓንን መራገፍን ሓዊሱ ብናይ ባዕሎም መጎዓዓዚ ናብ ቤት ፅሕፈት ት/ፋይናንስን ኣታዊ ክገብሩ ዝኽእሉ

8 ጨረታ ዘሸነፉ ተጫረቲ ዉዕል ንክኣስሩ ምስተኣወጀ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ቀሪቦም ናይ ዘሸነፍዎ 10% ዉዕሊ መኽበሪ ብምትሓዝ ዉዕሊ ናይ ምእሳር ግቡእ ኣለዎም

9 መከበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መኣዘዚ ክፍሊት ቼክ ወይ አብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ዉሕስና ባንኪ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ 6000 ቅርሺ  ናይ ፅሬት መሳርሒ 3000 ቅርሺ  ናይ ሞተር ሳይክል አቅሑት 3000 ቅርሺ  ናይ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሒ 3000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል

10 ሰነድ ጨረታ ካብ ብሎክ 3 ቁፅሪ 10 ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል

12 ጨረታ ምስተኸፈተ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን30 ተኸታታሊ ናይ ስራሕ ማዓልታት ጥራሕ እዩ

13 ተወዳደርቲ ነፀለ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ብምምላእ ከምኡ ዉን ኣብ ፖስታ ምዕሻግን ሽምን ፊርማን ማህተምን ክህልዎ አለዎ

14 እቲ ከይዲ ስራሕ ጨረታ ምስተከፈተ ከም ኣድላይነቱ ናይቲ ኣቕሓ መጠን ክሳብ 20% ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይኽእል

15ፅሬት ኣቕሑት ዝምልከት ኣቐዲሙ ዝተነፀረ ብሳምፕል ወይ ኦርጅናል ኣቐሓ ብባዓል ሞያን ብኮሚቴን ብምርግጋፅ ቅቡል ዝግበር ይኸዉን

16 ቤት ፅሕፈትና እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ  03 43 46 00 88 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ