https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8110
ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ/ስላሴ ኣስጎዶም ዕ/ሓሙስ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ/ም ዝተፈላለዩ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቁሑት፣ ፅሬትኣቁሑት፣ ህንፃ መሳርሒ ኣቑሑት፣ኤሌክትሪክ ኣቁሑት ፣ ኮምፒተር እና ኮምፒተር ኣክሰሰርን ኣቁሑት ፣ ናይ መኪና ስፔር ፓርት፣ ናይ ኮምፒተርን ተዛመድትን ፅገና ብግለፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ኣቅሓ ግልጋሎት ክገዝእ ይደሊ ስለዚ በቢዝምልከተኩም ዘርፊ ኣብዚ ጨረታ ክተወዳደሩ ትደልዩ ሕጋዉያን ነጋዶ ዝስዕብ ረቃሒ እተማልኡ ክተወዳደሩ ቤት ፅሕፈትና ብክብሪ ይዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ነሓሰ 13, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ነሓሰ 28, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ነሓሰ 28, 2011 04:10 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ፅገና ኮምፒተርን ኤሌክትሮኒክስን/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

 1 ናይ 2011ዓ/ም በቢዘርፉ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ ዘለዎ ኮይኑ ኮፒ ገይሩ ዘቕርብ

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ ቲን ዘለዎ

3 ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነ ናይ ኮምፒተርን ተዛመድትን ፅገና ቫት ተመዝጋቢ ይኩን ዘይተመዝጋቢ ክወዳደር ይክእል እዩ

4 ኣብ መንግስቲ ንክትጫረቱ ናይ መቕረባይነት ሰርተፊኬት መረዳእታ ከተቅርቡ ትክእሉ

5 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኮይኑኩም ንብረት በቢዝምልከቶኩም ዘርፊ ብደብዳቤ ተገሊፅልኩም ዉዕሊ ካብ ዝኣሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ ኣበ ዉሽጢ 10ተ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ንብረት ብበዓል ሞያ አፈቲሹ ናብ ትካልና ኣታዊ ክገብር ዝክእል

6 ተጫረቲ መወዳደሪ ዶክሜንትኩም ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ፣ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተም ፌርማን ዘለዎ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ኮሎጅ ቴክኒክን ሞያን ገ/ስላሴ ኣስጎዶም ዕ/ሓሙስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 03 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ  ክተእትዉ  ከምትክእሉ

7 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዋጋ ዘይምለስ ብር 30.00 ንሕድሕድ ሎት በቢዝምልከተኩም ዘርፊ እናከፈልኩም ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ/ስላሴ ኣስጎዶም ዕ/ሓሙስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 03 ካብ ዕለት 13/12/2011 ዓ/ም ክሳብ 27/12/2011ዓ/ም ሰዓት 11፡00 ምሸት እናመፃኩም ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትክእሉ

8 እቲ ጨረታ ዕለት 28/12/2011 ልክዕ 4፡00 ሰዓት ተዓፅዩ ሰዓት 4፡10 ኣብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ/ስላሴ ኣስጎዶም ዕ/ሓሙስ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሐዳር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

9 ተጫረቲ በቢ ዝምልከተኩም ዘርፊ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኸበሪ ንህንፃ መሳርሒ ኣቁሑት ብር 4000.00 ብር ንኮምፒተርን ናይኮምፒተር ኣክሰሰርን ብር 3000.00 ንኤሌክትሪክ ኣቁሑት ብር 3000.00 ንመኪና ስፔር ፓርት ብር 3000.00 ንፅሕፈት መሳርሒ ኣቁሐት ብር 3000.00 ንፅሬት ኣቁሑት ብር 2000.00 ኮምፒተርን ተዛመድትን ፅገና ብር 1000.00 ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ ይግባእ

10 ትካልና መጠን ዝግዛእ ንብረት 20ሚኢታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ዝክእል ምካኑ

11 ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ

ዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቁፅሪ 03 47 73 02 11 / 09 20 25 68 76 ደዊልኩም ሕተቱ