https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8097
በሪ ማይዳ ማእከል ትምህርትን ሆስቴልን ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ኣብ ደብባዊ ምብራቕ ትግራይ ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ሰምረ ዝርከብ ኾይኑ ብምብራቕ ትግራይ ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ሳምርቲ ሳምረ ከተማ ሳምረ ዝርከብ ኮይኑ ብትምህርተን ንፍዓት ዝኾና ብኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ስድራ ድማ ፅጉማት ዝኮና ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ኣብ ሓደ ማእከል ተቐቢሉ ኣብ ምሕብሓብ ዝርከብ ናይ ዉሽጢ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ እዚ ትካል ኣብ ዘህንፆ ሓድሽ ህንፃ ግቢ ዉሽጢ ዝርከብ ዝተፈላለየ መጠንን ክብደትን ዘለዎምን ብዉስን መልክዑ ኣብ ጥቕሚ ዉዕሊ ዝነበረ ኤጋ /EGA/ ቆርቆሮ 90mm ብ 5.4 መ ብቁፅሪ ልዕሊ 400 ዝኮነ ብንፅል ዋጋ ይኩን ብጅምላ ኣጫሪቱ ክሸይጥ ይደሊ ስለዚ ተጫረትቲ እቲ በብዓይነቱ ተፈልዩ ኣብ ግቢ ትካልና ከተማ ሳምረ ዝርከብ ቆርቆሮ ብኣካል ብምርኣይ ናይ ሓደ ሙሉእ ቆርቆሮ ዋጋ ንሜትሮ ወይ ድማ ብጅምላ ዝጫረተሉ ዋጋ ኣብ ፖስታ ኣሺግካ ብምቕራብ ምዉድዳር ከመዝክኣል ንገልፅ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ነሓሰ 11, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ነሓሰ 23, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ነሓሰ 23, 2011 04:02 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

ተጫረቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ተኸታታሊ ዓሰርተ መዓልትታት ዉሽጢ ናይ አትጫረትሉ ዋጋ መቐለ ኣብ ዝርከብ ዋና ቢሮ ወይ ድማ ሳምረ ከተማ ግቢ ሆስቴል ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ምቅራብ ይካኣል

1 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 23/12/2011 ሰዓት 4፡00 ኣብ ቕድሚ ተጫረቲ ወይ ተወከልቲ ኣብ ዝተረከበሉ  ይፍፀም

2 ዝሰዓረ ተጫራታይ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ጠቕላላ ዋጋ ብምክፋል ንብረቱ የልዕል

3 መጫረቲ ትካለ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓወ እዩ

4  ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 41 64 45 /0914005902/0914748966

ኣድራሻና -  በሪ ማይዳ ማእኸል ትምህርትን ሆስቴልን ደቂ ኣንስትዮ ኣክሱም ሆቴል ፊት ንፊት ሞሐ መጠጦች ፅ/ቤት ህንፃ 1ይ ደብሪ መቐለ ከተማ