https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8027
ቢሮ ልምዓት ከተማ ንግድን ኢንዱትሪን ክልል ትግራይ ንቢሮና ግልጋሎት ዝዉዕል 1 ናይ ኤሌክትሮኒክስ ናዉቲ ፅገና 2 ናይ መኪና ሕፅበት ላቫጆ ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብፕሮፎረማ ኣወዳዲሩ ግልጋሎት ክረክብ ስለዝድለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋዉያን ነጋዶ እዚ ዝስዕብ ረቓሒ ክተማልኡ ይግባእ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ነሓሰ 3, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ነሓሰ 7, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ነሓሰ 7, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ፅገና ኮምፒተርን ኤሌክትሮኒክስን/ ፅገና ሞተርሳይክል/ ፅገና ተሽከርካሪ/

1 ኣብ ላዕሊ ብዝተገለፁ በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ክተቕርቡ እትኽእሉ

2 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ሰርቴፊኬት ከተቕርቡ እትክእሉ

3 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቲን ከተቕርቡ እትክእሉ

4 ካብ ቢሮ ልምዓት ከተማ ፣ ንግድን ኢንድስትሪን ዳይሬክተሬት ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምሕደርን ሰነድ ካብ ዕለት 2/12/2011 ብምዉሳድ ዋጋ መሊእኩም ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ስርዝ ድልዘ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ ዕለት 7/12/2011 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ናብ ዳይሬክቶሬት ዐደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 59 ኣታዊ ክትገብሩ ትክእሉ  እቲ ፕሮፎርማ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት 4፡30 ይኽፈት

5  ናይ ዝሰዓርኩምዎ ግልጋሎት ዋጋ ልዕሊ 3000.00 እንተኮይኑ ቫት ተመዝገብቲ ትካላት ቫት 15% ቢሮና ቆሪፁ ከምዘትርፍ ምካኑ ክትፈልጡ ይግባእ

6 ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለኬ እዩ

ንዝበለፀ ሓበሬታ 03 42 40 01 29 ምሕታት ይካኣል