https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8020
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ሓድነት ኣብ 2012 ዓ/ም በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈታት ዝድሊ ኣቑሑ ኣገልግሎትን ዝዉዕል ናፍጣ ጀነሬተር ሶላር ብተወሳኪዉን አቑሑት ናዉቲ ቢሮ ማለት እዉን ፈሪኒቸር ናይ ሞንታርቦ እስፒከር ዓመታዊ ባኒ ምቅራብ ዓመታዊ ፅገና ኤሌክትሮኒክስ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ነሓሰ 3, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ነሓሰ 20, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢ ዘርፉ ዝተፈላለየ እዩ
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ነሓሰ 20, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ፅገና ኮምፒተርን ኤሌክትሮኒክስን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኣቅርቦት ምግቢ / ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ካልኦት ዓይነት ፈርኒቸር/

1 ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩም

2 ናይ ወርሒ ሰነ 2011ዓ/ም  ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጠ

3 በቲ ዘፈር ዝተሓደሰ ንግድ ፍቓድ2012ዓ/ም  ዘለዎ

4 መለለይ ቁፅሪ ማለትእዉን ከፈልቲ ግብሪ ቲን ናምበር ዘለዎም ፣

5  ዝተሓደሰ ናይ 2012ዓ/ም መቕረባይነት ወረቐት ምስክር ከቕርብ ዝክእል

6 ካብ ትካልና ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን  ንብረት ምምሕዳርን  ቁፅሪ 28 ካብ ዕለት 3/12/2011ዓ/ም ክሳብ ዕለት 20/12/2011 ሰዓት 3፡30 ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ 50.00 /ሓምሳ ቅርሺ/ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ

7 ሰንዱቕ ጨረታ ዕለት 20/12/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 20/11/2011 4፡00 ይክፈት

8 ተጫረቲ ሎት 1 ናፍጣ ጀነሬተርን ሶላርን መከበሪ ጨረታ 5000.00 ሎት 2 ፈርኒቸር መከበሪ ጨረታ 3000.00 ብር ሎት 3 ሞንታርቦ ስፒከር መከበሪ ጨረታ 3000.00 ብር ሎት 4 ዓመታዊ ባኒ 3000.00 ብጥረ ገንዘብ ወይም ብ ሲፒኦ ወይም ብባንኪ ዝተተሓዘ ዝክእሉ

9 ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ኣድራሻ - 18 ንግስቲ ህንፃ ወይ ፍፁም ብርሃን ዓይኒ ሕክምና ሓሊፍካ

ዝበለፀ ሓበሬታ 03 44 41 62 84 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል