https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8012
ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቐረብ መስተ ማይን ፈሳስን ከተማ መቐለ ካብ ዕለት 1/11/2009 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 30/10/2010 ዓ/ም ዘሎ ሒሳብ ምንቅስቃስ ብደገ ኦዲተር ኦዲት ከግብር ስለዝደለየ ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓን ክትትልን ቤት ፅሕፈትና ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ እትርከቡ ዝተፈቀደልኩም ዉልቀ ኦዲተራትን ኦዶት ትካላትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ኦዲት ከግብር ስለዝደለየ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለኩም ብንክትሳተፉ ይዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ነሓሰ 2, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ነሓሰ 17, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ነሓሰ 17, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኣካውንቲን ተዛማድኡን/ ኦዲት ተዛማድኡን/

1 ንቤት ዕዩና /ትካልና/ ኦዲት ንምልክያድ ዘኽእል ብርኪ ሓደ ወይ ክልተ ወረቐት ምስክር መረጋገፂ ብቅዓት ሞያ ዘለዎም

2 ናይ ዘመኑ ወረቐት ምስክር መረጋገፂ ብቅዓት ሞያን ዘሐደሰን ንግዲ ምዝገባ ፣ ተወሳኪ እሴት ታክስ /ተመዝጋቢ ዝኮነ / ፣ መለለይ ግብሪ ከፋላይነት /ቲን ናምበር/ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብ

3 ኦዲት ዝግበረሉ ሒሳብ ኣብ መቐለ ከተማ /ትካል ምካኑ ፈሊጡ ዝሳተፍ

4 ሰነድ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቐረብ መስተ ማይን ፈሳስን ከተማ መቐለ ቢሮ ቑፅሪ 13 ካብ ዕለት 3/12/2011 ክሳብ 17/12/2011 ዓ/ም ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምለስ 30.00 /ሰላሳ/ ቅርሺ ከፊሎም ምዉሳድ ይክእሉ

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ፋይናንሻል ቴክኒካን መወዳደሪ ቅጥዕታት ብዝግባእ ብምምላእ ደጋፊ መረዳእቶኦም ምስ ዋናን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ቴክኒካል ድማ ዋናን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ክልተ ብጠቅላላ ኣብ ኣርባዕተ ፖስታ ተዓሽጉ ሽምን ኣድራሻን ፌርማን ክህለዎ ይግባእ

6 አቲ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ቐረብ መስተ ማይን ፈሳስን ከተማ መቐለ ቢሮ ቑፅሪ 13 ዕለት 17/12/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ዘየለዉልን ይክፈት

7 ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 44 40 73 35 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል