https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7929
ቢሮ ሰራሕተኛ ማህበራዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ ኣብ ናይ 2012 ዓም በጃት ዓመት ዝተፋላለዩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ :ሕትመት : መኪና ባትሪ ብግልፂ ጨረታ አወደዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ሓምለ 22, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ነሓሰ 8, 2011 09:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ነሓሰ 8, 2011 09:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/ ናይ ሕትመት ኣቁሑትን/

1 ናይ 2011 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ መቅረባይነት ዘለዎ

2 እቲ እተትሕዝዎ መከበሪ ጨረታ ንናይ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሒ ኣቅሑ 2000 ቅርሺ : ንናይ ሕትመት መሳሪሒ  ኣቁሑት 2000  ቅርሺ:  ከምእዉን ንናይ መኪና ባትሪ 2000 ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ

3 ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 30.00 ብምክፋል ካብቲ ቢሮ ትወስዱ፤

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 8/12/2011ዓ/ም ዓም ሰዓት 9:00 ናይ ድሕሪ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ድማ ብተመሳሳሊ ዕለት 8/12/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:30 አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ኣብ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ይኽፈት፤

5 ጨረታ ወፂኡ ካብ ዝተቃለሐሉ /ዝልጠፈ/ ጀሚሩ ተጫረቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ዝርዝር ረቖሒ /ስፐስፊኬሽን/ መሰረት ኮይኑ ናይ ካብ ዕለት 22/11/2011 ክሳብ 8/12/2011 ዓ/ም ሰነድ ምስተገዘአ ብሸምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናል ኮፒን ብምንፃር ብክልተ ፖስታ ከቅርቡ ይግባእ ብተወሳኪ ድማ ንናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ቴክኒካልን ፋይናንሻልን መረዳእታ ብክልተ ፖስታ ክቀርብ ዝግባእ ኾይኑ እቲ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን45 መዓልቲ ይኸዉን፤

6 አድራሻና ክፍለ ከተማ ሐወልቲ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ አብ ኮምፕሌክስ ናይ ሐባር ህንፃ: ህንፃ 1 /Block 1/ ኣብ መሬት ቢሮ ቁፅሪ 245 እዩ፡፡

7 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342400158  0344-417637 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል እዩ፤