https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7876
ማሕበር ኣክስዩን ማይክሮ ፋይናንስ አደዳይ ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ፅሕፈት መሳሒን ፅሬት መሳርሒን ካብ ሕጋዊያን ነጋዶ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።በዚ መሰረት
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሓምለ 12, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሓምለ 16, 2011 09:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሓምለ 16, 2011 09:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ሕጋዊ ፈቃድ ዘለኩምን ናይ 2011 ዓ/ም ግብሪ ከፊልኩም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም፤

2 Tin Number ተመዝገብቲ ዝኮኑ፤

               3 ብዝወፀ ዝርዝር /ስፔስፊኬሽን/ መሰረት ክተቕርቡ ትክእሉ፤

4 ሰዓራይን ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ዉሽጢ          5 መዓልቲ ዉዕሊ ኣሲሩ ኣብ ዉሽጢ 05 መዓልቲ ከቅርብ ዝክእል ፤

5 ናይ ወርሒ ሰነ 2011ዓ/ም ዲክላራስዮን ከቅርብ ዝክእል፤

6 ጨረታ ሰነድ ብር 50.00 /ሓምሳ ብር/ ከፊሉ ክዕድግ ዝክእል፤

7 ጨረታ መክበሪ 2% ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዝ ንዝክእል ንዝስዓሮ ንብረት 5% ዉዕሊ መክበረ ብጥረ ገንዘብ ወይ ስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤

8 ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ ካብ ዕለት 17/07/2019 ኣ.ፈ ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣደዳይ ማይክሮ ፋይናንስ ኣብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደቂ ኣንስትዩ ትግራይ ሳልሳይ ደብሪ ምዉሳድ ዝክእል፤

9 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 23/07/2019 ኣ.ፈ ሰዓት 9:00 ቀትሪ ኮይኑ ጨረታ ሳንዱቅ ዝክፈተሉ ዕለት 27/07/2019 ኣ.ፈ ሰዓት 9:30 ድሕሪ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ተወከልቲ ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት።

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342-405095/405069/5113 ምድዋል ይከኣል።