https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7841
ንኣገልግሎት ኤጀንሲ መዓድንን ኢነርጂን ክልል ትግራይ ዝውዕል ንመፀገኒ መካይን ማለት ውን ጋራዥ፣ ፅገና ኤሌክትሮኒክስን ሓፂን መፂን ስራሕ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ኣገልግሎት ክረክብን ከስርሕን ስለዝደሊ ዝተዋፈርኩም ሕጋዊያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሓምለ 5, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሓምለ 18, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:20
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሓምለ 18, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ፅገና ኮምፒተርን ኤሌክትሮኒክስን/ ፅገና ተሽከርካሪ/ ካልኦት ፅገና/ ሰራሕቲ ሓፂነ መፂን/

ተማልእዎም ዝግብኦም ረቋሕታት

1 ናይ 2011ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም፤ (ቲን ናምበር) ዘለኩም፤

2 ንፅገና ኤሌክትሮኒክስ ዝኮኑ ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮኑን ክወዳደሩ ይክእሉ እዮም፡፡

3 ንፅገና መካይንን ጋራዥን ድማ ተመዝገብቲ ተወሳኪ አሴት ታክስ ዝኮኑን ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብሉ ምስክር ናይ ወርሒ ግንቦት 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳታ ከቅርብ ዝክእል

4 ተጫረቲ ናይ መኸበሪ ጨረታ ንፅገና ኤሌክትሮኒክስ 1000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ንመፀገኒ መካይን ማለት ውን ጋራዥ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንሓፂን መፂን 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል፤

5 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ዝርዝር መመርሒን ጨረታን ንነብሲ ወከፍ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 20.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ማልት) ኤጀንሲ መዓድንን ኢነርጂን ቢሮ ቁፅሪ 115 ክሳብ ዕለት 18/11/11 ዓ/ም ምውሳድ ይከኣል።

6 ሰነድ ጨረታ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 18/11/2011 ዓ/ም 3:30 ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 18/11/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ይኸውን።

7 ተጫረቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ዝርዝር ዓይነት ኣቅሓ መሰረት ምካኑ ኣረጋጊፁ ክመልእ ይግባእ፡፡

8 ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

9 ጨረታ በዘይ ኣግባብ ከዛብዕ ዝፈተነ ኣብ ዝኾነ ጨረታ ከይሳተፉ ዘኽይድ ስጉምቲ ዘስዕብ ምዃኑ ክፈልጡ ይግበእ።

10 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ን60 መዓልቲ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-401209 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።