https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7797
ኤጀንሲ ልምዓት ምምሕዳርን ኣብያቲ ክልል ትግራይ ዝተፈላለዩ ንናይ ኣግሮስቶ መንደቅ ተባሂሉ ዝተዓደገ ኬምካልን ካልኦት ኣቅሑትን ብግልፂ በጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ማለት ውን ክሸይጥ ይደሊ።ስለዝኾነ ተጫረቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መመዘኒ ረቋሒታት ብምምላእ ኣብቲ ጨረታ ንክትሳተፉ ይዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ሰነ 24, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ሓምለ 15, 2011 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሓምለ 15, 2011 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

1 እቲ ጨረታ ብውልቀ ይኩን ብትካል ምስታፍ ይከኣል እዩ፡፡

2 ተጫረቲ እቲ ንብረት ኣብ ወልቃይት ማለት ማይጋባ ዝርከብ ናይ ኤጀንሲና መክዝን ብኣካል ከይድኩም ምርኣይ ይከውን፡፡

3 ናይቲ ንብረት ኩነታት ዝምልከት ድሕሪ ጨረታ ንዝመፅእ ሕቶ ተቀባልነት ዘይብሉ ምካኑ ንሕብር፡፡

4 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ክልል ትግራይ መቐለ ዝርከብ ቤት ዕዮና ቢሮ ቁፅሪ 14 ቤት ፅሕፈት ልምዓት ምምሕዳርን ኣብያቲ ክልል ትግራይ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል 24/10/2011ዓ/ም ክሳብ 10/11/2011ዓ/ም ምውሳድ ይክእሉ፡፡

5 እቲ ጨረታ 15/11/2011 ዓ/ም ኮይኑ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ሰዓት 8:30 ይኽፈት።

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና ብር 10000.00 (ዓሰርተ ሽሕ) ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ብሲፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ከቐርቡ ኣለዎም።

7 ተጫረቲ ንብረት ካብ ዘለዎ ቦታ እቲ ንብረት ባዕሎም የጋዓዕዙ፡

8 ኤጀንሲና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁ 0344-418509 ወይ 0344-418516/0914-152170/0914-820020 ምድዋል ይከኣል።