https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7786
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን 1ይ ወያነ ኣብ ገረብ ፀዶን ሃፀይ ዮሃንስ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝርከብ ዝተፈላለየ ዘገልገሉ ናይ ቤት ትምህርቲ ዝኣረጉ መፅሓፍትን ዝ/ዩ ኣቅሑትን ኣብቲ ዘርፊ ንዝትዋሩ ሕጋውያን ነጋዶ ደቀቅትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት /ደኣንት/ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሰነ 20, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ሰነ 24, 2011 11:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሰነ 25, 2011 03:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

1 ተጫረቲ ደቀቅትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት /ደኣንት/ ካብ ቤት ፅሕፈት ንግድን ኢንዱስትሪን ዝተውሃቦም ኣብዚ ዓመት ዝተሓደሰ ብርኪ ትካል /ደረጃ/ ዝዘቅርብ፤

2 ግልፂ ሰርቲፊኬት ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልሉ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ ቲን ናምበርን ዘቅርብ፣

3 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ዳ/ዳ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 17 ምልክታ ካብ ዕለት 18/10/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ሰነድ መግዝኢ ብር 30.00 ጥራሕ ብምክፋል ምውሳድ ይከኣል፡፡ እቲ ናይ ጨረታ ፖስታ ብስምዒ ወይ ብተመሳሳሊ መንገዲ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕን ናይ ተጫራታይ ሽምን ማህተምን ብምግባር ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታው ይከኣል፡፡

4 ናይ ጨረታ መከበሪ ሲፒኦ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዝብ ብር 3000.00 ከትሕዙ ዝክእሉ፤

5 ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕፀወሉ ዕለት 24/10/2011ዓ/ም ሰዓት 11፡00 ድሕሪ ቀትሪ ይከውን፡፡

6 ጨረታ ዝክፈተሉ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላት ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት 25/10/2011ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ንግሆ ይክፈት፡፡

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

8 ኣድራሻና ጥቃ ፖሊስ ጣቢያ 1ይ ወያነ ትልምን ፋይናንስን ፅሕፈት እዩ፡፡

9 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0914-785289 ምድዋል ይከኣል፡፡