https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7751
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ንቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ኣገልግሎት ዝውዕል ብናይ ሴፍቲኔት በጀት ና ተምሃሮ ዴስክ ብፕሮፎርማ ምልክታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይድሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሰነ 13, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሰነ 20, 2011 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:50
  • ቦታ:ራያ ዓዘቦ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሰነ 20, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ካልኦት ዓይነት ፈርኒቸር/

1 ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰ በቲ ዘፈር ዝተመዝገበ ፣ መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ማለት ቲን ናምበር ዘለዎ፣ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘሐደሰ፤

2 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ብእዋኑ ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ካብ 13/10/2011ዓ/ም ክሳብ 18/10/2011ዓ/ም ይከውን፡፡

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 20/10/2011ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ይክፈት፡፡

5 መከበሪ ጨረታ 50.00 ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል፤

6 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ራያ ዓዘቦ ምውሳድ ይከኣል፡፡

7 ሰዓራይ 10 ሚኢታዊ ውዕሊ መከበሪ ከትሕዝ ዝክእል፤

8 ኣብቲ ሰነድ ስርዝ ድልዝን ብናይ ባዕልካ መብርሂ ስፔስፊኬሽን ምምላእ ኣይፍቀድን፡፡

9 ሰዓርቲ ንብረት ቅቡል ዝግበር ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ብዝተሓተተ ዝርዝር መዐቀኒ  ምስተረጋገፀ ኣታዊ ይከውን፡፡

10 እቲ ሰዓራይ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

11 ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ናብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ከተማ መኮኒ ቤት ትምህርቲ ደጎል ንብረት ከቅርብ ዝክእል ክከውን ኣለዎ፡፡

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

13 ሰነድ ጨረታ 50.00 ቅርሺ እናከፈልኩም ክትዕድጉ ትክእሉ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0346-640172 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፤