https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7735
ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ሓራጅ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ኣብ ጣብያ ማይ ካድራ ፍሉይ ቦታ ሕርሻ ባኒቲዎት ሕርሻ ሜኬናይዜሽን ከባቢ ዝርከብ ፀፀር 02 ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሰነ 12, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሰነ 20, 2011 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:32000
  • ቦታ:ቃፍታ ሑመራ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሰነ 20, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

1 ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ 32000.00 ሽሕ ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል፤

2 ተጫራቲ ዝሰዓሮ ንብረት ቤት ዕዮ ካብ ዝፈለጦ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ ተከታተልቲ መዓልታት ገንዘብ ኣተዊ ተዘይገይሩ ዘትሓዞ መከበሪ ጨረታ ተወሪሱ ናብ መ/ቲ ካዝና ኣታዊ ይከውን፡፡

3 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 02 ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ እናከፈሉ ምዉሳድ ይከኣል ፤

4 እዚ ጨረታ ካብ 05/10/2011ዓ/ም ክሳብ 19/10//2011 ዓ/ም ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ ዕለት 20/10/2011ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ይክፈት፡፡

5 ተጫራቲ ዝሰዓሮ ንብረት ገንዘብ ኣታዊ ካብ ዝገበረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ንብረቱ ከልዕል ዝክእል ብፅሑፍ ተሓቢረሉ ንብረት ከልዕል ተዘይክኢሉ ን7ተ ተከታታሊ መዓልቲ ህዝቢ ኣብ ዝርእዮ ኣደባባይ ምልክታ ብምልጣፍ በዓል ዋና ክቀርብ ተዘይክኢሉ ንብረቱ ይውረስ፡፡

5 ዝሰዓረ ተጫራቲ ናይቲ ዝሰዓሮ ፀፀር 02 ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ፀፀር ከጋዓዝ ወይ ከውስድ ዝክእል፡፡

6 ተወዳደረቲ ወይ ወኪላት ብኣካል ብዘይምርካቦም ከይዲ ምክፋት ጨረታ ኣይተዓናቀፍን፡፡

7 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

8 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-480183 ብምድዋል ምሕታት ይከኣል፡፡