https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7708
ቤት ማዘጋጃ ክፍለ ከተማ ኩሓ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ዋንነቱ ብናይ ከባቢያዊ ልምዓት ዝኮነ ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም ናይ ሶዲየም ሼክሴር ምስ ኣምፕሉን ንምግዛእ ናይ ጋራጃት ስራሕቲ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ማሽናት ማለት ኢኤ ኤክስካቫተር፣ ሎደር፣ ግሪደር፣ ሩሎ፣ ናይ ማይ ቦጥ ፣ ነዳዲን ካልኦት ዘድሊ ነገር ብመቅረባይ ዝኮነ ክካረይ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ ኣካላት ክትሳተፉ ይዕድም ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሰነ 7, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሰነ 14, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:ኩሓ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሰነ 14, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ማሽነሪ ክራይ/

1 ጨረታ ምልክታ ካብ ዝውፀአሉ ዕለት 29/09/2011 ዓ/ም ክሳብ 13/10/2011 ዓ/ም ንመግዝኢ ሰነድ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቢሮና ክትወስዱ ትክእሉ፤

2 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነ ናይ ወርሒ ግንቦት 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ 2011ዓ/ም ፣መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ፣ ከምኡውን ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል፤

3 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ቢድ ቦንድ ብር 3000 /ሰለስተ ሽሕ / ብናይ ስፖኦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይከዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል፤

4 ተጫረቲ ዝጫረትዎ ዋጋ ብቢሮና ዘሎ ቅጥዒ ብምምላእ ዋናን ሓደ ቅዳሕን ነንበይኑ ብፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ቢሮና ቤት ማዘጋጃ ክፍለ ከተማ ኩሓ ከይዲ ስራሕ ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓት ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትው ኣለዎም፡፡

5 በቲ ዝወፀ ዝርዝር መዐቀኒ መሰረት ናብ ትካልና ብናይ ባዕሉ ወፃኢ መጋዓዝያን መራገፍን ከቅርብ ኣለዎ፡፡

6 ተጫራታይ ዝሰዓሮ ንብረት ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ይግባእ፡፡

7 እቲ ጨረታ 14/10/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት፡፡

8 ተጫረቲ ጨረታ ዝሰዓረ ዉዕሊ መኽበሪ 10% ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ከዓ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ አለዎ፡፡

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ፡፡

10 ተጫራቲ ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝሓወሰ ክከውን ኣለዎ፡፡

11 ተጫራቲ ብመምርሒ ውዕሊ መሰረት ተገዛእቲ ክኮኑ ይግባእ፡፡

12 ተጫራቲ ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ኣብ ውሽጢ 10 ተከታታሊ መዓልቲ ኣታዊ ክገብር ኣለዎ፡፡

ኣድራሻ መቐለ ቤት ማዘጋጃ ክፍለ ከተማ ኩሓ ጥቃ እንዳ ማርያም ኩሓ ቤተክርስትያን

ንተወሳኪ ሓበሬታብስ.ቁፅሪ 0914-156911 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡