https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/766
ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ናይ መኪና ስፔር ህንፃ መሳርሒ ናይ ፅሬት ኣቁሑትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 10, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥቅምቲ 25, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000
  • ቦታ:ማይጨዉ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:20
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን:
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይ 2007 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኣተሓሒዝኩም ክትቕርቡ እትኽእሉ::

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ ዝተመዝገብኩምን TIN  ሰርተፊኬት ክተቕርቡ ትክእሉ::

3 ቫት ዝተመዝገብኩምሉ ሰርቴፊኬትን ናይ ወርሒ ነሐሰ ዴክሌር ዝገበርኩሙሉ መረዳእታን ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ናይ መቕረባይነት ሰርቴፊኬት ዝሓዝኩም::

5 ሰነድ ጨረታ ፎቶ ኮፒን ኦርጅናልን ብ 2ተ ፖስታ ኢንቨሎፕ ተዓሺጉ ከቅርብ ዝክእል

6 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኸይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕኩም መጓዓዝያ ናብ ማይጨዉ ሕርሻ ኮሌጅ ብፅሬትን ብመጠንን ተቕርቡ ምዃንኩም::

7 ኣብቲ ጨረታ ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ሐደ ዓይነት ዋጋ ዘቅረብኩም ተወዳደርቲ 2ይ ዋጋ ብምምላእ ትኽፈሉ ምዃኑ::

8 መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካልኩም ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ::

9 ተጫረቲ ዘይምለስ 20.00 /ዒስራ ብር/ እናኸፈልኩም ካብ ማይጨዉ ሕርሻ ኮሌጅ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ ር ኣብ ቁፅሪ ቢሮ 02 ሀ-B-25 ካብ 10/2/2008 ዓ/ም ክሳብ 24/2/ 2008 ዓ/ም ሰዓት 11:30 እናመፃእኹም ክትወሱ ትኽእሉ::

9 እቲ ጨረታ ዕለት 25 /02 /2008 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:00 ተኣሽጉ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 3:15 ኣብ ማይጨዉ ሕርሻ ኮሌጅ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዘለዉሉ ይኽፈት::

10 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ ብር 3,000.00 /ሰለስተ ሽሕ ብር ብ CPO ባንክ  ብባንክ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ እትኽእሉ::

11 ኮሌጅና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ  መሰሉ ዝተሐለወ አዩ::

ንዝበለፀ ሓበሬታ ቑፅሪ 0347770388 ደዊልኩም ክትረኽቡ ተኽእሉ ምዃንኩም ንሕብር::