https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7658
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ደጎዓ ተምቤን ካብ ዝተፈላለያ ቤት ፅሕፈት /ኣብያተ ዕዮ/ መንግስቲ ዘገልገላ ዝነበራ ወይ ግልጋሎት ዝሃባ ዝነበራ ኤሌክትሮኒክስ ንኮምፒዩተርን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጉንበት 30, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሰነ 21, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ:ደጎዓ ተምቤን
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሰነ 21, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

1 ኮምፒዩተር ምስ ሲስተም በዝሒ 48፣ ላፕቶፕ በዝሒ 03፣ ፎቶኮፒ በዝሒ 04፣ ዲፕለኬተር መረብሒ ማሽን በዝሒ 04፣ ታይፕራይተር በዝሒ 02፣ ዲጅታል ካሜራ በዝሒ 02 ኮይነን፤

 1 ጨረታ ዝካየደሉ ዕለት21/10/2011ዓ/ም ናይ ሳንዱቅ ካብ ሰዓት 3፡30 ክሳብ 4፡30 ክፍቲ ኮይኑ ሰዓት 4፡30 ተዓፅዩ ሰዓት 5፡00 ይክፈት፡፡

2 ጨረታ ዝካየደሉ ኣብ ወ/ደ/ተምቤን ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ተረኪብኩም ክትጫረቱ ንዕድም፡፡

3 መከበሪ ጨረታ 3000.00 ሽሕ ብር ከትሕዝ ዝክእል፤

4 ተጫራታይ ድሕሪ ምስዓሩ ኢድ ብኢድ ገንዘብ ብምክፋል ንብረቱ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲታት ክወስድ ዝክእል እቲ ንብረት ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወ/ደ/ተምቤን የረክብ፤

5 ተጫሪቱ እንድሕር ኣሸኒፉ ምንሳሕ ዘይፍቀድ ምዃኑ ፈሊጡ ዝተጫረተሉ ገንዘቡ ከፊሉ ይከይድ፤

6 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

7 ትጫረቱ ሰባት እቲ ንብረት ብኣካል ብምርኣይ ትክእሉ ኢኩም፤

8 ናይ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ደጎዓ ተምቤን ክትወስዱ ትክእሉ፤

9 ኣብቲ ጨረታ ሕጋዊ ወኪላት ብኣካል ብግልፅነት እቲ ጨረታ ዝኮነ ሰብ ኣብቲ ጨረታ ክሳተፍ ወይ ክዕዘብ ይክእል እዩ፤

ንዝበለፀ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0343-390402 ወይ ብኣካል ምሕታት ይከኣል