https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7611
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብይ ዓዲ ን2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓብይ ዓዲ ብጃይካን ክስራሕ ተታሒዙ ስለዘሎ ቅድሚት ቦታ ክንፀር ስለዝተደለየ ድሕሪ ኮሌጅ መምህራን ኣመራርሓ ትምህርትን ዓብይ ዓዲ ዘሎ ሓመድ ናብ መሰናድኦ ናብ ኣንፈት ሰሜን ቅድሚ ሐዚ ቤት ህንፀት ዝነበረሉ ከባቢ ዝርከብ ሽንጥሮ ንምድፋእ ሲኖትራክ 16 ሜ3 ክትሕዝ ትክእል ብፀዓኒት ማለት ሎደር ከቅርብ ዝክእል በዚ መሰረት ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ መቅረብቲ ንክትወዳደሩ ንዕድም፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ጉንበት 26, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሰነ 7, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:6000
  • ቦታ:ዓ/ዓዲ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሰነ 7, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መኪና ክራይ/ ማሽነሪ ክራይ/ ትራንስፖርት ግልጋሎት/ ዕድጊት ኸቢደ መሺን/

1 ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ዘለኩምን ኣብ 2011 ዓ/ም ዘሐደስኩም

2 እቲ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ሕጋዊ ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ ::

3 መለለይ ካርዲ መቅረባይነት ዝተውሃቦ ወረቀት ምስክር ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘለኩም፤ ናይ ወርሒ መጋቢት 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

4 ናይ መቅረባይነት መለለይ ካርድ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን::         

5 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለኩም፤

6 ንጨረታ መክበሪ 6000.00 ሽሕ ቅርሺ ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል ::

7 ንሐደ ደክመንት ዘይምለሰ 50.00 ብር ብምክፋል ካብ ቤት ፅ/ትት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ከ/ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ክፍሊ ቁፅሪ 6 ብምግዛእ ክጫረቱ ዝክእል::

8 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ምልክታ ካብ ዝተጠቀዐሉ ዕለት ጀሚሩ ብምዉሳድ ናይ መወዳደሪ ዋጋኹም ብምምላእ ኩሎም ዝተጠቐሱ አድለይቲ ኮፒን ኦርጅናልን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰነድ ጨረታን ዝተዓሸገ ፖስታን ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማን ብምፅሓፍ ኣብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ንክትእትዉን ንክትወዳደሩ ነተሓሳስብ፤

9 ምልክታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት ካብ 22/09/2011 ዓ/ም ክሳብ 07/10/2011 ዓ/ም እንትከዉን 4:00 ናይ ንጉሆ::

10 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሽገሉ ዕለት 07/10/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ::

11 ሳንዱቅ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 07/10/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ናይ ንጉሆ ኣብ ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ክረከቡ ኣለዎም፡፡

12 ቤት ፅ/ትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

13 ኣብቲ ዝወፀ ስፔስፊኬሽን ወይ መግለፂ ምንካይ ወይ ምቅያር ምስራዝን ኣይፈቀድን።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑፅሪታት ስልኪ 0344-461121 ብምድዋል ይሕተቱ::