https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7600
ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ኣጉላዕ ማይ ግልጋሎት ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ቱቦታትን ፈቲንጋትን ብግልፂ ጨረታ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ ነዞም ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ንትጫረቱ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጉንበት 23, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ቀዳም ሰነ 8, 2011 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:ኣጉላዕ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ቀዳም ሰነ 8, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 ሕጋዊ መቅረብቲ ነጋዶ ዝተመዝገብኩም ናይ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩም ኣብዚ በጀት ዓመት ዘሐደስኩምን ወይድማ ግብሪ ዝከፈልኩም፤

2 ናይ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ ቲን ካርድ ዘለኩም ሓዱሽ ናይ መቅረባይነት ካርድ ዘለኩም፤

3 ቫት ዝተመዝገብኩምን ናይ ቫት ሰርተፈኬት ዘለኩም ናይ ወርሓዊ ድክሬሽን ዝሐለፈ ወርሒ ጥሪ መረዳእታ እተቅርቡ እትክእሉ ንሐደ ደኩሜንት ዘይመለሰ 30.00 ብር ብምክፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ኣጉላዕ ማይ አገልግሎት አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ቢሮ ቁፅሪ 2 ብምዉሳድ ዝቐረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ ዕለት 22/09/2011 ዓ/ም እስካብ 08/10/2011 ዓ/ም ዋንኡን ኮፒን ንበይኑ ብዝተኣሸገ ኢንቨሎፕ ብምምላእ ነዚ ተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሰነድ ምእታዉ ይከኣል፡፡

4 ጨረታ ሳጥን ዝእሸገሉ ዕለት በቲ ናይ መወዳእታ ዕለት 08/10/2010 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተኣሺጉ በቲ ዕለት 3:30 ሰዓት ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ይከፈት ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይተረኪቦም ቤት ፅሕፈትና ነቲ ጨረታ ፖስታ ናይ ምክፋት መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

5 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ዝከዉን 5000.00 ሽሕ ብር ብስፒኦ ከትሕዙ አለዎም፡፡

6 ተጫረቲ ናይ ዘቅርብዎ ናይ መወዳደሪ ጨረታ ሰነድ ማህተምን ፊርማ በዓል ዋና እንተዘይሃልዎን ስርዝ ድልዝ እንተኮይኑን ተቐባልነት ኣይህልዎምን፡፡

7 ሰዓራይ ዝኮነ ተጫረቲ ኣብ ዉሽጢ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ዉዕሊ እንተዘኣሲሩ ዘትሓዞ ናይ መከበሮ ጨረታ ተወሪሱ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይከዉን፡፡

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

9 ብናይ ቤት ፅሕፈትና ሳምፕል መሰረት

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0343-140453 / 0914-412211 / 0914-348246