https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7578
ኮሎጅ ቴክኒክን ሞያን ኮረም ንምምሃር ምስምሃር ስራሕትን ግልጋሎት ዝዉዕሉ ኮምፒተርን ተዛመድትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጉንበት 22, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሰነ 5, 2011 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:ኮረም
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሰነ 5, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

1 ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩም፤

2 ናይ ዘመኑ ግበሪ ዝከፈልኩም በቲ ዘፈር ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ መቅረባይነት ሰርተፊኬት ቲን መረዳእታ ዘለኩም፤

3 መኸበሪ ጨረታ ንኮምፒተርን ተዛመድትን 5000.00 /ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ/ ብስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዝብ ከተትሕዙ ይግባእ፤

4 ዝሰዓርክምዎ ውዕሊ ካብ ዝአሳርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልታት ንብረት ናብ ኮሌጅና ንብረት ክፍሊ ብናይ ባዕልኩም ትራንስፖርት ተቅርቡ፤

5 ተጫረቲ ዝምልከተኩም ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 50.00 ዘይምለስ እናከፈልኩም ኩሉሻዕ ብስራሕ ሰዓት ካብ ዕለት 21/09/2011 ዓ/ም ክሳብ 05/10/2010 ዓ/ም ካብ ኮሌጅና ቢሮ ቁፅሪ 5 ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ብምዉሳድን ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምግባር ኦርጅናልን ኮፒን አታዊ ትክእሉ

6 እቲ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ብዕለት 05/10/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9፡00 ይክፈት።

7 ናይ ዉዕሊ መክበሪ ካብ ዘሸነፍኩምዎ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ብስፒኦ ክተትሕዙ ይግባእ፤

8 ብባህርኦም ዉሕስና ንዘድልዩም ንብረታት ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ዉሕስና ንምሃብ ፍቃደኛ ዝኮንኩም፤

9 ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይድማ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ፡፡