https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7556
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና፣ ኣቅሑት ኮምፒተርን ተዛመድትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጉንበት 21, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ሰነ 3, 2011 05:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ኣፅቢ ወንበርታ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሰነ 3, 2011 05:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

1 ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ 2011ዓ/ም፣ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ወረቀት ምስክር ዘለኩም፤

2 መቅረባይነትን ወረቀት ምስክር ዘለኩም፤

3 ተወሳኺ እሴት ታክስ ምዝጉባት ዝኾኑን ናይ ወርሒ መጋቢት 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል፤

4 መኸበሪ ጨረታ ንመለዋወጢ ኣቅሑት መኪና 10000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ናይ ኮምፒተርን ተዛመድትን ኣቅሑት 4000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ብጥረገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ኾይኑ ከትሕዝ ኣለዎ።

5 ተጫረቲ ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ሰዓራይ ምዃኖም ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

6 ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ መረዳእታ ሽሞምን ኣድራሻኦምን ማህተሞምን ከዕርፉ ይግባእ።

7 ተጫረቲ ኣብ ዘቅርበዎ ሰነድ መረዳእታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ክኸውን ኣለዎ።

8 ጨረታ ብዝተፈላለየ መንገዲ ከዛብዑ ዝፈተኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ገይሩ ዘትሐዝዎ መኸበሪ ጨረታ ናብ ካዝና መንግስቲ ኣታዊ ብምግባር ኣብ ቀፃሊ ከይሳተፉ ይገብር።

9 እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ከምኡውን ዝተማልአ መረዳእታ ይኽፈት።

10 ተጫረቲ ድሕሪ ሳንዱቅ ምኽፋቱ ኣብ ጨረታ ምስታፍ ኣይከኣልን። ከምኡ ንዝበለ ዘትሓዞ ትሕጃ ኣይምለሰሉን።

11 ተጫረቲ ዘቀረበዎ ዋናን ቅዳሕን ንበይኑ ዓሺጎም ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ኣብ ዝባኑ ክፃሓፍ ኣለዎ።

12 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ 45 መዓልቲ ይኸውን።

13 ሰነድ ዝሽየጠሉ ኣብ ወረዳ ኣ/ወንበርታ ከ/ስ /ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳር ንብረትን ኮይኑ ናይ ሰነድ ዋጋ 50.00 ጥራሕ ቅርሺ ይኸውን።

14 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ እዋን ካብ 16/09/2011ዓ/ም ክሳብ 03/10/2011ዓ/ም ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ 03/10/2011 ዓ/ም ኮይኑ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 5:00 ተዓፅዩ በቲ ተጠቂሱ ዘሎ ዕለት ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 5:30 ይክፈት።

15 14 እቲ ቤት ፅሕፈት ካሊእ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

መብርሂ ንተወሳኪ ሐበሬታ ብ 0343-400033 ብምድዋል ምሕታት ይከኣል።