https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7529
ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ ሮቢንስን ኣብ 2011 ዓ/ም ዘበነ ትምህርቲ ንቤት ትምህርቲና ግልጋሎት ዝውዕል ድምፂ ኣልባ ጀነሬተር 30 KVA/24 Kw super Silent diesel Operated Generator ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጉንበት 16, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጉንበት 23, 2011 09:15 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጉንበት 23, 2011 09:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/

ነዚ ንምቅራብ እትኽእሉ ነጋዶ ኣብቲ ጨረታ ንክትሳተፉ እናዓደምና ዶክመንት ጨረታ ኣብ ዝቅፅል ገፅ ኣሎ።

1 ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ እዚ ዘመን ዘለዎም፤

2 ወረቀት ምስክር ናይ መቅረባይነት ዘለዎ፤መለለ ግብሪ ከፋሊ ቲን ሰርቲፊኬት ዘቅርቡ፤

3 ቫት /VAT/ ምዝጉባት ኮይኖም ሕጋዊ ደረሰኝ ዘቅርብ ናይ ሕሉፍ ወርሒ 2011ዓ/ም ዲክለሬሽን ኮፒ ዘቅርቡ፤

4 ሰነድ ጨረታ ብር 50.00 ብምክፋል ካብ ቤት ት/ትና ተሓዚት ገንዝብ ምዕዳግ ይከአል።

5 ንመክበሪ ጨረታ ካብ ዘቅርብዎ ጠቅላላ ዋጋ 10000.00 ስፒኦ ጥራሕ ክትሕዝ ዝክእል ኮይኑ፣ አቲ ሰፒኦ ኣብቲ ውሽጢ ጨረታ ዝሓዘ ፖስታ ተዓሺጉ የቕርብ።

7 ሰነድ ጨረታ ዝሽየጠሉ ካብ 14/09/2011 ዓ/ም ክሳብ 23/10/2011 ዓ/ም ሰዓት 4፡00

8 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 23/09/2011 ዓ/ም ሰዓት 9፡15 ተዓሺጉ በቲ ዕለት 9:30 ይክፈት።

9 ሰዓራይ ንዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት ናብ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኒኮላስ ንብረት ክፍሊ የእትው።

10 እቲ ትካል እቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ። እዚ ከም ውዕሊ ኮይኑ ከገልግል ይኽእል እዩ።

ኣድራሻና- ዓዲ ሽንዱሕን ህንፃ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ እትዉ ኢልካ እንትከዉን ስልኪ ቁፅሪ 0342-400138