https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7505
ቤት መዘጋጃ ከተማ ማይ ፀብሪ ናይ ውሽጣ ውሽጢ ፅርጊያ ሓመድ ኣፅዒኑ ከምልእ ስለዝደለየ ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ናይ ኤክስካቫተር ወይ ሎደር ሰብ ዋና ክትጫረቱ ይዕድም፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጉንበት 14, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ጉንበት 27, 2011 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ማይ ፀብሪ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ጉንበት 27, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ማሽነሪ ክራይ/

1 ናይ ዋንነት መረጋገፂ ማለት ሊብሮ ፣ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ፣ ዝተሓደሰ ናይ ግብሪ ከፋላይነት ማለት ቲን መረዳእታ ከቅርበ ዝክእል፤

2 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ወርሒ መጋቢት 2011ዓ/ም ሒሳብ ዝፍለጠሉ መረዳእታ ዘቅርብ፤

3 ናይ ኦፕሬተር መግንሒ መንጃ ፍቃድ በኮፒ ከቅርብ ዝክእል፤

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ከፊልካ ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ማይ ፀብሪ ቢሮ ቁፅሪ 1 ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል፤

5 ሰዓራይ ጨረታ ግልጋሎት ናብ ዝህበሉ ቦታ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ቤት መዘጋጃ ከተማ ማይ ፀብሪ ኣብ ዝመረፀሉ ቦታ ከስርሕ ዝክእል ፤

6 ዋና ጨረታ ሰነድን ነቲ ምሉእ ሰነድ ቅዳሕ ብምግባር ኣብ ሐደ ፖስታ ዝተዓሸገ ናብ ጨረታ ሳንዱቅ አታዊ ክግበር አለዎ

7 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 27/09/2011 ዓም ዝፀንሕ ኮይኑ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ እንተዘይሃልዉ እዉን ጨረታ ሕጊ ዘማለአ እንተኮይኑ ይክፈት፡፡

8 እቲ ቤት ዕዩ ካብ ተጫረቲ ብበዝሒ ንብረት መጠን 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ፡፡

9 እቲ ቤት ዕዩ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብዉስን ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0346-620279 0346-620093