https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7488
ኣግበ ቴክኒክን ሞያን መሰልጠኒ ማእከል ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ን3ይ ዙር መናእሰይ ናይ ስልጠና ማተሪያል ዕድጊት ንምክያድ ካብ ዘለና ናይ ፅሕፈት መሳርሒ፤ ፅሬት፣ ናይ ኤሌክትሪክ፣ ናይ ዝርገሐ ማይ መሳርሒ፤ ናይ ኮንስትራክሽን፣ ኮስሜቲክስ፣ ጨርቃ ጨርቅን፣ ፈርኒቸርን፣ ናይ ኤሌክትሪክ ሞጎጎ፣ ምግቢ ኣቅሑት፣ ምርባሕ ደርሆ፣ ምህጣር ከፍቲ መሳርሕታትን ፣ ናይ ጎማ ካለማደሪያን ናይ ሞዴል ል1HZ /ኣንቡላንስ/፣ ሞዴል ZN-1033UBX፣ ሞዴል 682-N3 ኢነትረ መኪና ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ስለ ዝደለየ ንክትወዳደሩ ንዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ጉንበት 10, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጉንበት 23, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢሎቱ ዝተፈላለየv
  • ቦታ:ኣግበ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30-50.0
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጉንበት 23, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ስራሕቲን ውፅኢት ሕርሻ/ ፍዮሪን ሆልቲካልቸር/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ኣቅርቦት ምግቢ / ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/ ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

1 በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግድ ፍቃድ ዘለዎ ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ዘለዋ/ዎ፤

2 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሐደሰ መቅረባይነት ዘለዎ፤

3 ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩም

4 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ /tin No/ ከቅርብ ዝክእል

5 ናይ ወርሓዊ ቫት ዲክለር ዝገበሮ ከቅርብ ዝክእል

6 ብኣፍልጦ ዘለዎ ባንኪ ዝተረጋጸ ሲፒኦ ብሽም ማእከል መሰልጠኒ መናእሰይ ኣግበ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል፤

7 ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ካብ ዝተቃለሐሉ ዕለት 09/09/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 23/09/2011 ዓ/ም 4:00 ዘይምለስ 30.00 -100.00 ብር ብምክፋል ሰነድ ካብ ኣግበ ቴ /ሞ /መ /ማእከል ዕ/ንምም/ ር/ ፋይናንስ ክትወስዱ ትክእሉ

8 እቲ ጨረታ ዕለት 23/09/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሰሊ ዕለትን ሰዓትን 4:30 ኣብ ማእከል መሰልጠኒ መናእሰይ ኣግበ ዳይ/ዳይ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ይከፈት

9 ተጫረቲ ንጨረታ መከበሪ ውዕሊ 10ሚኢታዊ ናይ ዝሰዓርዎ ዋጋ ባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ከትሕዝ ዝክእል፤

10 ብኣሸናፊነት ተመዝጊቡ ብእዋኑ ኣቅሑት ንዘይኣቅረበ መቅረባይ በቲ ናይ ጨረታ ደንቢ መሰረት ኣብ መዓቲ 1/1000 ብር እናተቀፅዐ ንብረት ኣታዊ ይገብር

11 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ እዋን ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ 35 መዓልቲ ይከውን

11 ሰዓርቲ ሰዓርነቶንም ምስ ተገለፀሎም ድሕሪ 3ተ ናይ ቅሬታ ማዓልቲ በቲ ዝወፀ እስፐስፌከሽን መሰረት ዉዕል ዝኣስርን ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያን መፅዐንን መረጋፍን ፅሬት ዘለዎ ንብረት ናብ ኣግበ ቴሞ መ ማእከል ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ዕለትን ከቅርብ ዝክእል ፅሬቱ ዘይሐለወ እንተኮይኑ ድማ በቲ ጨረታ መሰረት ተቀፂዖም እቲ ንብረት በቲ ዝወፀ ስፐስፌከሽን መሰረት አታዊ ይገብሩ

12 ኣብ ጨረታ ክጭበርብሩ ዝፈትኑ ነጋዶ ስጉምቲ ንወስድ ምኳንና ክምኡ እዉን ዘትሐዝዎ ናይ ጨረታ መክበሪ ገንዝብ /CPO/ ዝዉረስ ምኳኑ ምፍላጥ የድሊ

13 አብ እዋን ምክፋት ጨረታ ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪል ክርከቡ አለዎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ብዘይመርካቦም እቲ ጨረታ ንዘይ ምክፋት ኣይንግደድን

14 ተወዳዳሪ ተጫራታይ አብ ዘቅረቦ ናይ ግልፂ ጨረታ ሽሙ፣ፌርሙኡን ኣድራሻኡን ማህተም ነይቲ መቅረባይ ብትክክል ዘየቀመጠን እቲ ጨረታ ዶክመንት ስርዝ ድልዝ እንተልይዎን ካብቲ ጨረታ ይስረዝ

15 ተጫረቲ ናይ ሕድሕድ ዋጋ ምስ ቫቱ መሊእኩም ንክተቅርቡ ነፍልጥ ምስ ቫቱ እንተዘይ መሊእኩም ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝመልአ ይቁፀር

16 ኣብ እዋን ምክፋት ጨረታ ተጫረቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ክርከቡ ኣለዎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ብዘይምርካቦም እቲ ጨረታ ብዘይ ምክፋት ኣይግደድን

17 ካሊእ ኣብ ኣዋጅ ቁፅሪ 255/ 2007 በዘሎ ነዚ መተግበሪ ዝወፀ መምርሒ በዝኣዘዞ መሰረት ይፍፀም

18 ቤት ፅሕፈትና 20% ካብ ሕድሕድ ኣይተም ናይ ምውሳክ ወይ ናይ ምቅናስ መሰሉ ሕልዉ እዩ

19 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 09 48 53 62 08 /0914-591108/0341-412505 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ