https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7458
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቀለ ንዝ/ዩ ኣብያተ ፅሕፈት ከተማ መቐለ ግልጋሎት ዝውዕል ኣቅሑተ መኪና ስፔር፣ ጎማ፣ ባትሪን ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ ኣቅሑት ፈርኒቸር፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጉንበት 9, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጉንበት 23, 2011 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ጉንበት 23, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/

1 ናይ 20102/011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ፣መለለይ ቁፅሪ ከፋለይ ግብሪ፣ ወረቀት ምስክር መቅረበይነት ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብትን፣ ወረቀት ምስክር ደኣንት ናይ ቀረባ ግዜ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፣

2 መከበሪ ጨረታ ንኣቅሑት መኪና ስፔር 5000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንጎማን ባትርን 4000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 6000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ንኣቅሑት ፈርኒችር 6000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ወይ ብጥረ ገንዘብ ወይ በባንኪ ዝተረጋገፀ መኣዘዚ ክፍሊት ቼክ ብሽም ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ከትሕዝ ዝክእል፤

3 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ኬዝቲም ዕደጋ ካብ ዕለት 08/09/2011ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ምውሳድ ይከኣል፡፡

4 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 23/09/2011ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ድ.ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡00 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይክፈት፡፡

5 ተጫረቲ መወዳደሪ ሰነድ ጨረታ ብክልተ ፖስታ ወይ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎም፡፡

6 ዝኮነ ይኩን ተወዳዳራይ እቲ ትካል ካብ ዘሰናድኦ ስሩዕ ትካል ጨረታ ብክፋል ምቅራብ ኣይክኣልን፡፡

7 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ኣድራሻና ኣብ ምም/ር ከተማ መቀለ ህንፃ ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ድሕሪ እንዳ ማርያም ቤተክርስትያን ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ቢሮ ቁፅሪ 34 እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0342-408757/0344-408501 ምድዋል ይከኣል: