https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/743
ካብ መደበኛ በጀት ን2007 ዓ/ም ካብ ዝተመደበልና በጀት ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ መኪና መለዋወጢ አቁሑት : ፅሕፈት መሳርሒ : ፅሬት ኣቑሑትን ናይ ሕትመት ስራሕትን ኣወዳድሩ ክዕድግ / ከሕትም ይደሊ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 3, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጥቅምቲ 17, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:20
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን:
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/
  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ኮይኖም ናይ 2008 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈሉ ዝተሐደሰ ንግዲ  ፍቓዶም ከቕርቡ ዝኽእሉ::
  2. ኣብ ዝርዝር መቕረባይነት ዝተመዝገብሉ ዝተሐደሰ መታወቅያ መረዳእታ ከቕርቡ ዝክእሉ
  3. መለለይ ቁፅሪ ቲን/TIN/ ዘለዎም::
  4. ተወሳኺ እሴት ታክሲ /VAT/  ዝተመዝገቡን መረደእታ ከቕርቡ ዝኽእሉን::
  5. ወርሓዊ ዲክላሬስን ናይ ወርሒ ነሐሰ 2007 ዓ/ም ከቕርቡ ዝክእሉን::
  6. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ  ዘይመለስ ብር 20.00 ብምክፋል ካብ ላዕ/ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ  ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ምዉሳድ ይኽእሉ::
  7.  ተጫረቲ ኣብ ዋጋ መወዳደሪ ዝቀረበሎም ሰንጠረዥ ሽምን ክታም ኣድራሻን    ማህተምን ብዘይ ምንም ስርዝ ድልዝ ከስፍሩ አለዎም::
  8.  ጨረታ ዝወፀሉ /ዝቃለሐሉ/  ዕለት  02 /02/ 2008 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት  17/ 02/ 2008 ዓ/ም  ሰዓት  3:30 : ዝኽፈተሉ ዕለት 17 /02/ 2008 ዓ/ም ሰዓት 4:00
  9. ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ጨረታ  ናይ  ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ  እዩ
  10. ኣድራሻና ጥቃ ቐዳማይ ብርኪ ሃፅይ  ዩዋሃንስ ቤት ትምህርቲ::

        ንተወሳኺ ሐበሬታ ብስልኪ  ቑፅሪ  0344402420  ብምድዋል ምሕታት ይኽእሉ