https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7322
ቢሮ ማይ ሃፍቲ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ማለት ኣቅሑት ቢሮ፣ ስራሕቲ ሕትመትን ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሚያዝያ 29, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጉንበት 12, 2011 09:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢምድቡ ዝተፈላለየ
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጉንበት 12, 2011 09:10 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

1 ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ 2011ዓ/ም ዘለኩም ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር መለለይ ቁፅሪን ከፋላይ ግብሪ ዘለዎም፣ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ ወረቀት ምስክር ዘለዎምን፣ ናይ ወርሒ ሚያዝያ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ወረቀት ምስክር ዘቅርብን፣

2 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚርኩም ምውሳድ ትክእሉ፤

3 መከበሪ ጨረታ ንስራሕቲ ሕትመትን ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስን 4000.00 ሽሕ ቅርሺ ንኣቅሑት ቢሮ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ብሲፒኦ ክተትሕዙ ትክእሉ፤

4 ሰዓራይ ጨረታ ንዝስዓሮ ንብረት ናይ ባዕሎ መጓዓዝያ ኣብ ቢሮ ማይ ሃፍቲ ክልል ትግራይ ብዝኣሰሮ መሰረት ኣተዊ ክገብር ዝክእል፤

5 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ሓደ ዋና ምስ ክልተ ቅዳሕ ነንበይኑ ብምዕሻግ ከቅርብ ዝክእል፤

6 እዚ ጨረታ 12/09/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 9፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9፡10 ኣብ ነባር ማይ ሃፍቲ ክልል ትግራይ ኣብ ክ/ምምሕዳር ዓይደር 03 ዝርከብ ይክፈት፡፡

7 እቲ ቢሮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ፡፡

8 ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ተሃልዩዎ ተቀባልነት የብሉን፡፡

9 መከፈቲ ጨረታ ኣብ በዓል ኮይኑ ኣብ ዝቅፅል መዓልቲ ይከውን፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0344-403656 ምድዋል ይከኣል፡፡