https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7302
ኣብ ማእኸል ቤት ህንፀት ራያ ኣላማጣ ንቤት ፅሕፈቱ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ኣቅሑት መሳርሒ ህንፃ፣ ባህርዛፍ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣቅሑትን ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ሚያዝያ 28, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ጉንበት 7, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ራያ አላማጣ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ጉንበት 7, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ኮንስትራክሽን ጥረ ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲን ግብሪ ዝኸፈለን፣ናይ መቅረባይነት ዘለዎ ምዃኑ መረጋገፂ ዋናን ቅዳሕን ኣብ ፖስታ ዓሺጉ ከቅርብ ዝኽእል ፤

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ተመዝጋቢ ምዃኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

3 መኸበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል፤

4 ተጫረቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 50.00 (ሓምሳ ቅርሺ) ብምክፋል ደ/ከ/ስ/ዐ/ፋ/ምም/ር/ንብረት ማእኸል ቤት ህንፀት ራያ ኣላማጣ እናመፃእኩም ክትወስዱ ትኽእሉ ኢኹም።

5 እዚ ጨረታ ካብ 22/08/2011ዓ/ም ክሳብ 07/09/2011ዓ/ም ቀዳምን ሰንበትን በዓል ሓዊሱ ኣብ ኣየር ዝፀንሕ ኮይኑ እዚ ጨረታ 07/09/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ኣብ ማእኸል ቤት ህንፀት ራያ ኣላማጣ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት።

6 ዝሰዓረ ተጫራታይ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ውዕሊ ይኣስር፡፡

7 ነዚ ጨረታ ከዛብዕ ዝፈተነ ተጫራታይ ካብ ምብራር ሓሊፉ ኣብ ዝኾነ ጨረታ ከይሳተፍ ደብዳቤ ይፅሓፈሉን ቢድ ቦንዱ ይውረስን።

8 እዚ ጨረታ ምስተከፈተ ካብቲ ጨረታ ምግላል ኣይፍቀድን፡፡

9 እዚ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

10 ናይ 2ይን 3ይን ሰዓራይ ክሳብ 1ይ ሰዓራይ ውዕሊ ዝኣሰር መኸበሪ ጨረታ ( ቢድ ቦንድ) ተተሓሒዙ ይፀንሕ።

11 እቲ ጨረታ 20 ሚኢታዊ ናይ መቅናስን ምውሳክን መሰል ኣለዎ፡፡

12 ጨረታ ዝካየደሉ ቦታ ኣብ ቤት ህንፀት ራያ ኣላማጣ ኣብ ሓዱሽ ፕሮጀክት

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0914-785717/0931/273282/0347-740587 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፤