https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7256
ማእከልና ማእከል ኦርቶ ፊዚዮቴራፒ መቐለ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘራ ዘገልገዘላ መካይን ተሽከርከርቲ በቲ ዘለዎ ኩነታት ብግልፂ ሓራጅ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሚያዝያ 22, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሚያዝያ 30, 2011 02:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:25%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሚያዝያ 30, 2011 02:01 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

1 ተጫረቲ እዚ ምልክታ ኣብ ካብዚ ዝወፀኣሉ ዕለት 21/08/2011ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 30/08/2011ዓ/ም ካብ ንግሆ ሰዓት 2፡00 ክሳብ 11፡30 ድ/ቀትሪ ዘሎ ግዜ ኣብ ትካልና ቀ/ወያነ /ቀበሌ19/ ኣብ ትሕቲ ቤ/ክ/ቅ/ሚካኤል ፊት ንፊት ቤትፍርዲ ወረዳ እንደርታ ጎኒ ቤ/ፅሕፈት ኢሚግሬሽን ብኣካል ብምቅራብ ምርኣይ ይከኣል፡፡

2 ተጫረቲ ንሕድሕድ መኪና ብናይ ጨረታ መበገሲ ዋጋ 25 ሚኢታዊ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ናይ ክፍሊት ሰነድ/ሲፒኦ/ ብምትሓዝ ምምዝጋብ ይከኣል፡፡ ድሕሪ ምፍላጥ ናይቲ ጨረታ ውፅኢቱ ተስዓርቲ ዘተሓዝዎ ናይ ክፍሊት ሰነድ /ሲፒኦ/ ድሕሪ ክልተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ተመላሲ ይግበረሎም፡፡

3 ኣብዘን ተሽከርከርቲ ዝድለ ናይ ስራሕ ግብሪ ሽም መዘወሪን ካልእ ዝኮነ ወፃኢ ሰዓራይ ጨረታ ዝከፍሎ ምዃኑ ትካልና ኣቀዲሙ የፍልጥ፡፡ ትካልና እዘን መካይን ናብ ሰዓራይ ጨረታ ሽም ክዛወራ ንዝምልከቶ መ/ዊ ኣካል ደብዳቤ ጥራይ ይፅሕፍ፡፡

4 ሰዓርቲ ጨረታ ሰዓራይነቶም ብደብዳቤ ካብ ዝተረጋገፀሎም ዕለት ጀሚሩ ዘሎ 15ተ መዓልቲ ውሽጢ ምሉእ ክፍሊት ፈፂሞም ዘሰዓርዎ ንብረት ምልዓል ኣለዎ፡፡ነገር ግን በቲ ዝተውሃቦ ግዜ ገደብ ውሽጢ እንተዘይኣልዒሎም እቲ ጨረታ ተሰሪዙ ንጨረታ መከበሪ ዘትሓዝዎ ገንዘብ ንትካልና ኣታዊ ይከውን፡፡

5 ሰዓርቲ ጨረታ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናቶም ወፃኢ ከልዕልዎ/ከጓዓዕዝዎ ኣለዎም፡፡

6 ማእከልና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስቁፅሪ 0914-005514/0914-700907/0914-763480/0344-410788 ወይ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 3 ብኣካል ብምምፃእ ግቡእ ሓበሬታ ክተረክቡ ትክእሉ፤