https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7152
ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ ዝተፈላለዩ ዘገልገሉ ናይ መኪና ኣቅሑት፣ ዝ/ዩ ሞተር ሳይክልን ፈርኒቸራት፣ ዝ/ዩ ፅሕፈት መሳርሒታት ናይ ሕርሻ ናውቲ ካልኦትን ብዝሕ ዝበለ በሓራጅ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሚያዝያ 11, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሚያዝያ 23, 2011 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ:ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:20.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሚያዝያ 23, 2011 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/

ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ብኽብሪ ንዕድም።

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ መታወቂያ ናይ ቀበሌ ኮፒ ከቅርብ ዝክእል፤

2 ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ዝክእል ዕድሚኡ ልዕሊ 18 ዓመት ዝኮነ፤

3 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 20.00 እናከፈልኩም ካብ 09/08/2011 ዓ/ም እስካብ ዕለት 23/08/2011 ዓ/ም ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳ/ፃ እምባ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ምምርን ንብረት ምውሳድ ዝክእል ፤

4 መክበሪ ጨረታ 3000.00 ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዝ ዝክእል፤

5 ቤት ፅሕፈትና 20 ሚኢታዊ ናይቲ ዝተሸጠ ጠቅላላ ዋጋ መጠን ናይ ምውሳክን ምቅናስን መሰል ኣለዎ፤

6 እቲ ጨረታ 23/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ቅድሚ ቀትሪ አብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳ/ፃ እምባ ይክፈት።

6 ኣብዚ ጨረታ ዝኮነ ተጫራታይ ኮነ ኢሉ ነቲ ጨረታ ዘዛብዐ ወይ ከዛብዕ ዝፈተነ ዘትሓዞ መከበሪ ጨረታ ተወሪሱ ብመምርሒ ዕደጋ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቁፅሪ 255/2007 ዓ/ም ብዝእዝዞ መሰረት ሕጊ ቀሪቡ ተሓታታይ ይኮን፤

7 ሰዓራይ ዝኮነ ደብዳቤ ካብ ዝተፅሓፈ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5ተ መዓልቲ እንተዘይኣልዒሉ ዘትሓዞ ውዕሊ መከበሪ ብር ተወሪሱ ብሕጊ ይሕተትን፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-470556 / 0344-470506 /ደዊልካ ምሕታት ይካአል::