https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7135
ማእከል ቤት ህንፀት ሽረ ደጋፊ እንዳስላሴ ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ንኣቅሑት ፅገና መሳርሒ ህንፃን፣ ንኣቅሑ ኤሌክትሪክ፣ ንኣቅሑ ኮምፒተርን ተዛመድቲ መሽናትን ንኣቅሑት ናውቲ ቢሮ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሚያዝያ 11, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሚያዝያ 25, 2011 03:45 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢሎቱ ዝተፈላለየ
  • ቦታ:ሽረ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሚያዝያ 25, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/

1 ናይ 2011 ዓም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቃን መቅረባይነትን ምስክር ወረቀትን በቲ ዘፈር ዝገልፅ ዘቅርብ፤

2 መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ወይ ድማ ቲን ቁፅሪ ዘለዎ፤

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ ወረቀተ ምስክር ዘቅርብ

4 ናይ ወርሒ ጥሪ/ለካቲት 2011 ዓ/ም ቫት ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

5 ተጫረቲ መከበሪ ዉሕስና ጨረታ ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዝብ ንመሳርሒ ህንፃ ንኣቅሑት ፅገናን 5000.00 ሽሕ ቅርሺ : ንኣቅሑት ኤሌክትሪክ 2000 ቅርሺ : ናይ ኮምፒተራትን ተዛመድቲ መሽናትን 4500.00 ቅርሺ ፣ ናይ ቢሮ ኣቅሑት 4000.00 ሽሕ ቅርሺ ከትሕዙ ይግባእ፡፡

6 ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን እቲ ቤት ህንፀት በቲ ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ መሊኡ ከቅርብ ዝክእል፤

7 ሰነድ ጨረታ ካብ 11/08/2011 ዓ/ም ክሳብ 25/08/2011 ዓ/ም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ዘይመለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ማእከል ቤት ህንፀት ሽረ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 7 ምዉሳድ ይከኣል፡

8 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሸገሉ 25/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 3፡45 ንጉሆ ይከዉን ጨረታ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣበ ዝተረከብሉ ይክፈት እንተዘይ ቀረቡ እዉን ከይዲ ጨረታ ካብ ምክፋቱ ኣይተኣጎጎልን :: ዝቀረበ ፖስታ ከይተከፈተ ዝምለስ ኣይህሉን፡፡

9 ተጫረቱ ዝሰዓረ ነጋዳይ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ናይ ስራሕ ግዜ መፂኡ ካብ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ 10 ሚእታዊ መክበሪ ብምሓዝ ዉዕሊ ክኣስረ አለዎ

10 ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ዝአሰሮ ንብረት ድማ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ መራገፈን ብምሽፋን ናብ ማእከል ቤት ህንፃት ሽረ ከረክብ አለዎ፡፡

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

12 ቤት ፅሕፈትና ነቲ ዝግዛእ ንብረት 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

ንዝበለፀ 0344-442182 / 3839 / 2289ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡