https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7134
ንኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ግልጋሎት ዝውዕል መሳርሒ ፅሕፈት፣ ናውቲ ፅሬት፣ ስራሕቲ ሕትመትን ዝኣመሰሉ ንብረታት ኣጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሚያዝያ 11, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ቀዳም ሚያዝያ 26, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢሎቱ ዝ/የ
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ቀዳም ሚያዝያ 26, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

ተወዳደርቲ ከማልእዎም ዝግባእ

1 ተወሳኺ እሴት /ቫት/ ተመዝጋቢ ዝኾነ ናይ ወርሒ ለካቲት 2011 ዓ/ም ወርሓዊ ድክለር ዝገብረን ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእልን፤

2 ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ ፣ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ /Tin number/ ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝኽእል፤

3 ናይ መቅረባይነትን ግልጋሎት ወሃባይነትን ፈቃድ ዘለዎን ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእልን

4 ጨረታ መኽበሪ ናይ መሳርሒ ፅሕፈት ( ስፒኦ) 10000.00 ( ዓሰርተ ሽሕ ብር)፣ ንናውቲ ፅሬት 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ፣ ንስራሕቲ ሕትመት 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ምስ ሰነድ ጨረታ ኣብ ፖስታ ዓሺጎም አታሒሒዞም ከቅርቡ አለዎም።

5 ተወዳደርቲ ዘሸነፍዎ ንብረት ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሮም ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ብናይ ባዕሎም መጓዓዓዚ አብ ኮሚሽን ፖሊስ ከቅርቡ ዝኸእሉ፤

6 ተወዳደረቲ ነንሕድሕድ ሰነድ 50.00 ብር ብምክፋል ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ማህተም ፊርማን ሙሉእ ኣድራሻ ምስ ስልኪ ቑፅሪ ክገልፁ ዝኽእሉ

7 ጨረታ 26/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኽብሉ ይኽፈት።

8 ኣብ ናይ ዋጋ መቅረቢ ዝተመልአ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ን30 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ።

9 ኮሚሽና ዝሐሸ መማረፂ እንትረኪቡ ነዚ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ ኮይኑ ብተወሳኪ ዉን 20 % ናይ ምዉሳክ ምቅናስን ከምዝክእል እዩ።

10 ንዝበለፀ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-406577 ወይ ድማ አብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 208 ምሕታት ይክእሉ።