https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7133
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንዳ መኾኒ ንዝ/የ ኣብያተ ዕዮ አገልግሎት ዝውዕሉ ናውቲ ኤሌክትሮኒክስ፣ ሕትመት፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ናውቲ ፅሬት፣ ጎማ መካይን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሚያዝያ 11, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ሚያዝያ 28, 2011 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢሎቱ ዝተፈላለየ
  • ቦታ:መኮኒ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሚያዝያ 28, 2011 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

1 ሰነድ ጫረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ከተማ ማይጨዉ ኣብ ጥቃ ቴክኒክ ኮሌጅ ዝርከብ ወረዳ እንዳሞኮኒ ትልምን ፋይናንስ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ምምሕዳር ንብረትን መፂኡኩም ጨረታ ሰነድ ንክትወስዱ ንሕብር

2 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግድን መቅረባይነትን ዘቅርብ

3 ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ናይ ወርሒ ለካቲት 2011 ዓ/ም ሒሳቡ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

4 መከበሪ ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈትን ናውቲ ኤሌክትሮኒክስ 5000.00 ቅርሺ፣ ንዝተረፉ ድማ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዙ አለዎም፤

5 እቲ ጨረታ 28/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይ ወኪላት ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት፡፡

6 ተጫራታይ ዝሰዓሮ ተዘይተስማዕሚዑ ዘትሐዞ ገንዘብ ኣይምለስን፡፡

7 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

መተሓሳሰቢ- ኣብ ናይ ፅሬትን ሕትመትን ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ዘይኮኑውን ክሳተፉ ይክእሉ እዮም፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0347-770419 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡