https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7090
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ውቅሮ ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም ንቤት ዕይኡ ግልጋሎት ዝውዕል ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ ኣቅሑት ቤት ዕዮ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሪክ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሚያዝያ 9, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 24, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢሎቱ ዝ/የ
  • ቦታ:ዉቅሮ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሚያዝያ 24, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/

1 በቲ ዘፈር ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም፤ ኣብ 2011ዓ/ም በጀት ዓመት ዘሐደስኩምን፣ ግብሪ ዝከፈልኩም

2 መረዳእታ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ፣ መረዳእታ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፣ መረዳእታ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ዘለኩምን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ፤

3 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ውቅሮ ካብ 09/08/2011ዓ/ም ክሳብ 24/08/2011ዓ/ም ዋናን ቅዳሕን ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታው ይከኣል፡፡

4 ጨረታ 24/08/2011ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይክፈት፡፡

5 መከበሪ ጨረታ ንኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ 10000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንኣቅሑ ቢሮ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንኣቅሑ ኤሌክትሪክ 10000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል፤

6 ሰነድ ማህተም ፊርማ ክህልዎ ኣለዎ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን፤

7 ሰዓራይ ኣካል ኣብ ውሽጢ 15 መዓልቲ ከቅርብ ዝክእል፤

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-430083-0922-883981 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡