https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7071
ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ካብዚ ንታሕቲ ቀፂሎም ዘለው ንብረታት ማለት ፣ ዴስክ ቶፕ ኮምፒዩተር በዝሒ 6 ፣ ግራፊክ ንሚድያ ዎርክ ሾፕ ስቴሽን ዝኾና ኮምፒዩተራት በዝሒ 10፣ ሄድ ፎን ሶኒ ዳይናሚክ 9400 MRR- 7506 በዝሒ 30 ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ትካላት ብመሰረት እቲ ቐሪቡ ዘሎ ስፔስፊኬሽን ንኸተጫረቱ ብኽብሪ ይዕድም፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሚያዝያ 8, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሚያዝያ 22, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሚያዝያ 22, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ትካላት ብመሰረት እቲ ቐሪቡ ዘሎ ስፔስፊኬሽን ንኸተጫረቱ ብኽብሪ ይዕድም።

1 ናይ 2011 ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐዱስን ተወሳኺ እሴት ታክስ (ቫት) ተመዝገብቲ ዝኾኑን፣

2 ውሕስና ጨረታ ብር 5000.00 ብመልክዕ ሲፒኦ ወይ ካብ ባንኪ ዝተውሃበ (ዝተረጋገፀ) ቼክ ከቕርብ ዝክእል

3 ዶኪሜንት ጨረታ ኩልግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ካብ 04/08/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ ብር 50.00 ብምኽፋል ካብ ዋና ክፍሊ ፋይናንስ ቁፅሪ ቢሮ 308 ዶክሜንት ክትወስዱ ትኸእሉ

4 ዶኩሜንት ጨረታ ፋይናንሻል መሊእኹም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ቢሮ 409 ክትቕርቡ ትኽእሉ ምዃንኩም ንሕብር

5 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 04/08/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ንዓሰርተ (15) ናይ ስራሕ መዓልትታት ብምፅናሕ ዕለት 22/08/2011 ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፂዩ ሰዓት 4:30 ረፋድ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ 4ይ ፎቅ ኣብ ዝርከብ 404 ኣዳራሽ ይኽፍት።

6 ሰዓራይ ትካል ምስተፈለጠ እቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ (10) መዓልትታት ብናይ ባዕሉ መጓዕዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ድምፂ ወያነ ትግራይ የረክብ።

7 ቤት ፅሕፈትና እቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ብሙሉእ ናይ ምሳረዝ መሰሉ ዝተሓላወ እዩ።

8 እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ዌብሳይት ድምፂ ወያነ ትግራይ www .dimtsiweyane tigray.com ወይ ድማ ብፌስቡክ ኣድራሻና ኣብ dimtsi weyne tigray ድወት / facebook .com ኣድራሻ ምርካብ ይከኣል።ወይድማ ብኣካል ብምምፃእ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 409 ምውሳድ ይከኣል እዩ።

ንተወሳኺ ሐባሬታ ብስ.ቁ 0344-410544/46 በፖሰታ ቁፅሪ 450