https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7063
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ መረብ ለኸ ኣብ ወረዱ ንዘለዋ ኣብያት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ፅሕፈት መሳርሒ፣ ናይ ቢሮ ኣናእሽተይ ኣቅሑት፣ ኣቅሑ ፅሬት ኤሌክትሮኒክስን፣ መሳርሒ ህንፃን ብግልፂ ብጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ሚያዝያ 7, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሚያዝያ 22, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:መረብ ለኸ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሰሉስ ሚያዝያ 22, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ናይ 2010 ዓ/ም ግብሪ ዝከፈለን ናይ 2011 ዓ/ም ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰን፤

2 ዝተሓደሰ መቅረባይነት ናይ 2011 ዘለዎ፣ ናይ ነጋዳይ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ቲን ናምበር ዘለዎ፣ እዞም ሰነዳት ኣብ ፖስታ ዓሺጉ ዘቅርብን፤

3 ሰነድ ጨረታ ካብ ወረዳ መረብ ለከ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 07/08/2011ዓ/ም ክሳብ 21/08/2011ዓ/ም ምዉሳድ ይከኣል።

4 ቅድሚ ምክፋቱ 5000.00 መክበሪ ጨረታ ቅርሺ ብጥረ ገንዝብ ወይ ድማ ብዝተፈለጠ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ከትሕዙ አለዎ።

5 ሰዓራይ ውዕሊ ኣብ ውሽጢ 5 ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ እቲ ንበረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈትና ኣታዊ ክገብር ኣለዎ።

6 ውዕሊ መከበሪ 10 ሚኢታዊ ከትሕዝ ኣለዎ፡

7 እቲ ጨረታ 22/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ መረብ ለኸ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም ኬዝ ቲም ይክፈት።

8 እቲ ጨረታ ዘፀንሓሉ ግዜ ን25 መዓልቲ ይከውን፡፡

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ/ቁ 0345-550125/550672 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።